Fana: At a Speed of Life!

ህወሓት ዘረከቦም መሳርሒታትን ተሽከርከርቲን ናይ ምጉዕዓዝ ስራሕ ከምዝተጀመረ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ህወሓት ዘረከቦም መሳርሒታትን ተሽከርከርቲን ናይ ምጉዕዓዝ ስራሕ ከምዝተጀመረ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሞንጎ ኣመራርሓታት መንግስቲን ህወሓን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካን ኬንያብ ብዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም መሰረት ብምግባር÷ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ዝተረከቦም ዝተፈላለዩ ተሸከርከርቲን ኣፅዋርን ካብቲ ቦታ ምንቅስቓስ ጀሚሩ።

2 ጥሪ 2015 ዓ.ም ካብ መቐለ 36 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ካብ ዝርከብ ኣጉላዕ ካምፕ ወታደራዊ ተዓዘብቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝተረኸቡሉ÷ ህወሓት ዘረከቦም መሳርሒታት፣ ተሽከርከርቲን ተተኮስቲን ናብ ዝተሰናደአሎም ቦታ ብኮንቮይ ይንቀሳቐሱ ኣለዉ፡፡

ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ዋና መምርሒ ሎጂስቲክስ ኮሎኔል ነጋ መንገሻ÷ “ብመሰረት ዝተበፅሐ ስምምዕ እቶም ወታደራዊ ንብረታት ተረኪብና ክለዓሉ ብምግባር ናብ ዝተሰናደአሎም ቦታ ምጉዕዓዝ ጀሚርና ኣለና” ኢሎም፡፡

ኣመራርሓ ኣብቲ ከባቢ ናይ ዝተዋፈረ ሰራዊት ሌተናል ኮሎኔል ኣለሜ ታደለ ብግደኦም÷ “ትካልና ዝሃበና ትእዛዝ ብዝግባእ ተገንዚብና ምስ ኣመራርሓ ህወሓት ብምዝርራብ እቶም ተስከርከርቲን መሳርሒታትን ኣብ ዝተቐመጠሎም ግዘ ገደብ ተረኪብና ንዋና መምርሒ ሎጂስቲክስ ሰራዊት ምክልኻል ኣረኪብና” ክብሉ ገሊፆም፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ እቶም ንብረታት ናይ ምጉዕዓዝ ስራሕ ከምዝተጀመረ ምግላፆም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.