Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢ ትግራይ ንዘጋጥምዎ በደላትን ግፍዕታትን ብምቅላሱ በዓል ሃፍታም ባህሊ፣ቋንቋ፣ ስልጣነን ነዊሕ ታሪኽን ኮይኑ እዩ – ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥሪ፣ 2012 ዓ.ም (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢ ትግራይ በብእዋኑ ንዘጋጥምዎ በደላትን ግፍዕታትን በዲሁ ብምቅላሱ መንነቱ ዓቂቡ በዓል ሃፍታም ባህሊ፣ቋንቋ ስልጣነን ነዊሕ ታሪኽን ክኸውን ምኽኣሉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ገሊፆም።

በዓል ጥምቀት ኣብ ትግራይ፣ ከተማ ማይጨው ብብርኪ ክልል ተኸቢሩ ውዒሉ።

ኣብቲ ክብረ በዓል ተረኺቦም መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ካኤል፥ ህዝቢ ትግራይ ዓቕሙ እንትዳኸም ናይ ሃገሩ መንግስቲ እንከይተረፈ ዘመራሰሖ ፣ዝጥርጥሮ፣ዘጋፈዖ ህዝቢ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ህዝቢ ትግራይ ብመንነቱን ታሪኩን ብዙሕ ግፍዕታት ተሸኪሙ ኣብ ምሒር ድኽነት ጥሒሉ ክነብር ዝተገደደሉ ናይ ታሪክ ኣጋጣሚታት እኳ እንተነበሩ ከምዝነበሩ ዝገለፁ ዶክተር ደብረፅዮን፥ ይኹን እምበር እቲ ህዝቢ ንወፅዓታት ተምበርኪኹ ዝግዛእ እንተይኮነስ በብ እዋኑ ንዘጋጥምዎ በደላትን ግፍዕታትን በዲሁ ብምቅላሱ መንነቱ ዓቂቡ በዓል ሃፍታም ባህሊ፣ቋንቋ ስልጣነን ነዊሕ ታሪክን ኮይኑ እዩ ኢሎም።

በዓል ጥምቀት ሓደ ካብቶም ህዝቢ ትግራይ ዓቂቡ ዘፅነሖምን ኣማዕቢሉ ብድምቀት ዘኽብሮም ዘሎን ሃይማኖታዊ፣ ባህላዊን ህዝባዊን በዓላት ሓደ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ዶክተር ደብረፅዮን፥ “በዓል ጥምቀት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዓለም ዘይድህሰሱ ባህላዊ ቅርሲታት ኮይኑ ምምዝጋቡ እንኳዕ ደስ በለኩም እንኳዕ ደስ በለና” ብምባል ዝተሰመዖም ሓጎስ ገሊፆም።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.