Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢ ኣብ ዝእከበሎም ከባቢታት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምጥቃም ይግባእ-ውድብ ጥዕና ዓለም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ጥዕና ዓለም ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኣጠቓቕማ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ደንጊጉዎ ዝነበረ መምርሒ ከምዝቐየረ ኣፍሊጡ።

እቲ ውድብ ቅድም ክብል ናይ ሕክምና መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ሰራሕተኛታት ጥዕና፣ ንሕሙማት ቫይረስኮሮና ዝሕብሕቡ ሰባት ጥራሕ ክጥቀምሉ ከምዝግባእ ገሊፁ ነይሩ።

ብተወሳኺ በቲ ቫይረስ ዘይተለኸፉ ሰባት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩ የብሎምን ብምባል ክካታዕ ዋላ እኳ እንተፀንሐ፥ ሓደሽቲ መፅናዕትታት ግና እቲ ቫይረስ ብዝተበከለ ንጣር እንትፍታፍ ክመሓለላፍ ከምዝኽእል እዮም ዝሕብሩ።

ዝተወሰና ሃገራት ኣብ ህዝባዊ ቦታታት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን  ክኽደኑ ግድን ክኸውን መምርሕታት ኣውፂአን እየን።

ነቲ ዝነበረ መምርሒኡ ዝቐየረ ውድብ ጥዕና ዓለም ግና፥ ሕዚ እውን ኩሉ ሰብ ናይ ሕክምና መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቀም ከምዘይግባእ እዩ ዝገልፅ።

እንተኾነ ሰባት ካብ ዝተፈላለዩ ኣጭርቕቲ ዝስርሑ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቀሙን ኣድላይ እንተኾይኑ ድማ ኣብ ገዛ ዝተዳለዉ ማስክታት ምጥቃም ከምዝከኣል ሓቢሩ።

ኣካላዊ ምርሕሓቕ ንምትግባር ኣብ ዘይጥዕሙ ህዝባዊ ቦታታት፣ መጓዓዝያ፣ ዕዳጋታትን ካልኦትን ኩሉ ሰብ ካብ ጨርቂ ዝተሰርሐ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብር ከምዝግባእ ገሊፁ።

እቲ ውድብ ቅድሚ ሕዚ ዝነበሮ መምርሒ ብምኽላስ ምስ ቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ርክብ ዘይብሎም ሰባት ንኣብነት ኣብ ሆስፒታላት ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ጥዕና ሓዊሱ ንሰብ ሞያ ሕክምና ዝተዳለዉ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ክገብሩ ኣገንዚቡ።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኣጠቓቕማ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘውፅኦ መምርሒ ክኽልስ ዝተገደደ፥ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ምልክታት ቅድሚ ምርኣዮም ነቲ ሕማም ከመሓላልፉ ከምዝኽእሉ ዝገልፁ መረዳእታት ይወፅኡ ብምህላዎም እዩ ተባሂሉ።

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብብርኪ ዓለም ካብ ዝላባዕ ጀሚሩ ዛጊድ 6 ነጥቢ 7 ሚልየን ሰባት ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ እንትኾኑ፥ ኣስታት 400 ሽሕ ሰባት ድማ በዚ ቫይረስ ህይወቶም ስኢኖም ኢዮም።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.