Fana: At a Speed of Life!

ህዝብን መንግስቲን ክልል ትግራይ ብምኽኒያት ሕልፈት ህይወት ሱልጣን ሃንፈሬ ዓሊሚራህ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ህዝብን መንግስቲን ክልል ትግራይ ብምኽኒያት ሕልፈት ህይወት ሱልጣን ሃንፈሬ ዓሊሚራህ ዝተሰመዖ ዓሙይቕ ሓዘን ገሊፁ።

ፕሬዚዳንት ክልል ዓፋር ብምዃን ዘገልገሉ መንፈሳዊ መራሒ ዓፈር ሱልጣን ሃንፈሬ ዓሊሚራህ ብዝሓደሮም ሕማም ኣብ መበል 74 ዕድሚኦም ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላዮም ይዝከር።

ስለዝኾነ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ዝተሰመዖም ዓሚቚ ሓዘን ብምግላፅ፥ ንቤተሰቦምን ፈተውቶምን ከምኡ እውን ንመላእ ህዝቢ ዓፋር ፅንዓት ተመኒዩ።

ስነስርዓት ቀብሪ ሱልጣን ሃንፈሬ ዓሊሚራህ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣብ ከተማ ኣሳይታ ክፍፀም ኢዩ።

ኣብቲ ስነስርዓት ንምስታፍ ድማ፥ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ፣ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣደም ፋራህ፣ ሚኒስትር ለምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መነግስቲ ፌዴራልን ክልላተን ናብ ክልል ዓፋር ኣምሪሖም።

ላዕለዎት ሰብ መዚ ሃገረ ጅቡቲ እውን ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ንምስታፍ ዓሊሞም ሰመራ ከምዝኣተዉ ተገሊፁ።

ኣስክሬን መንፈሳዊ ማራሒ ዓፋር ሱልጣን ሃንፈሬ ዓሊሚራህ ሎሚ መዓት ናብ ከተማ ሰመራ ዝኣተወ እንትኸውን፥ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣይተ ኣወል ኣርባ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲን ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብን ኣቀባብላ ገይረሙሉ ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.