Fana: At a Speed of Life!

ሆቴል ስካይ ላይት ደረጃ 5 ኮኾብ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ባህልን ቱሪዝምን ንሆቴል ስካይ ላይት ሓዊሱ ናይ ኣርባዕተ ሆቴላት ደረጃ ዕላዊ ገይሩ።

ብመሰረት እዚ ሆቴል ስካይ ላይት ደረጃ ሓሙሽተ ኮኾብ እንትረክብ፥ ሆቴላት ዴንቨርን ዓለም ለኻዊ ሆቴል በላይን በዓል ክልተ ኮኾብ ደረጃ ተዋሂቦም።

ሆቴል ቤርኖት ድማ ደረጃ ሓደ ኮኾብ ተዋሂዎ።

ከይዲ ገምጋምን ምሃብ ደረጃን እቶም ሆቴላት ሙሉእ ብሙሉእ ብሰብ ሞያታት ውሽጢ ዓዲ ዝተውሃበ ምዃኑ ተገሊፁ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምሃብ ደረጃ ዝተረኸባ ሚኒስትር ባህሊን ቱሪዝምን ዶክተር ሂሩት ካሳሁን፥ ኣብ ዓመተ 2011 ን78 ሆቴላት ደረጃ ኮኾብ ከምዝተውሃበ ገሊፀን።

እቲ ደረጃ ኮኾብ ሆቴላት ብሰብ ሞያታት ውሽጢ ዓዲ ዝተውሃበ ከምዝኾነ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፥ ምስ እዚ ተተሓሒ ዝቐረበ ቅርታ ኣይቀረበን ኢለን።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ምሃብ ደረጃ ኮኾብ ብሰብ ሞያታት ወፃኢ እናተሰርሐ ስለዝነበረ ዝተፈላለዩ ቅርታታት ይለዓሉ ከምዝነበሩ እወን ገሊፀን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ፀገም ንምፍታሕ ብዘኽእል መልክዑ ስራሕቲ ምዕባይ ዓቕሚ ሰብ ሞያታት ውሽጢ ዓዲ ከምዝተሰርሐን ሰብ ሞያታት ኢትዮጵያ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ስግግር ፍልጠት ክገብሩሉ ዝኽእሉ ዓቕሚ ምፍጣሩን ኣብሪሀን።

በዓል ሓሙሽተ ኮኾብ ደረጃ ዝረኸበ ሆቴል ስካይ ላይተ፥ ኣብ ቀፃሊ እዋን ዝረኸቦ ደረጃ ዝምጥን ግልጋሎት ከምዝህብ ብምግላፅ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ትዮጵያ ሎጃት ንምኽፋት ምድላው እናገበረ ምዃኑ እውን ኣፍሊጡ።

ብዘቢብ ተኽላይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.