Fana: At a Speed of Life!

ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮረና ንምክልኻል ዝለዓለ ትኹረት ተዋሂቡ ይስራሕ ኣሎ – መንግስቲ ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ጥዕና ዓለም “ሕማም ቫይረስ ኮረና ዓለምለኻዊ ተላባዲ ሕማም እዩ” ኢሉ ካብ ዝእውጅ ጀሚሩ ዝለዓለ ትኹረት ብመሃብ ኩሉመዳይ ናይ ምክልኻል ስራሕቲ እናሰርሐ ምዃኑ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ገሊፁ።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን እቲ ክልል ኣብ ዘውፀኦ ሰሙናዊ መልእኽቲ፥ እቲ ቫይረስ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን መንግስቲ ውዳበታቱ ኣሕይሉ እናቐፀለ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ስግኣት ዓለም ኮይኑ ዘሎ ተላባዲ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ዘስዕቦ ቅልውላው ከቢድ ዋላ እንተኾነ ብፍፁም ኢድ ክወሃቦ ከምዘይግባእ ተገሊፁ።

እቲ ቢሮ ኣብ መግለፂኡ፥ “ካብ ካልኦት ሃገራት ብሉፃት ተሞክሮ ብምውሳድን ናይ ባዕልና ምህዞታት ብምውሳኽን እቲ ኣንፀላልዩ ዘሎ ሓደጋ ብምምካት ታሪኽ ክንሰርሕ ይግባእ” ክብል ኣተሓሳሲቡ።

ሙሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መግለፂ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦

ሰሙናዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

ትግራይ ዝዓደየ፣ እቲ ንሓብረሉ ሎሚ ዶ ኣይኮነየ??!!

ትካል ጥዕና ዓለም፣ ሕማም ቫይረስ ኮረና፣ ዓለምለኸ ተላባዲ ሕማም እዩ፣ ኢሉ ካብ ዝኣወጀሉ እዋን ጀሚሩ፣ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ከይወዓለ ከይሓደረ፣ ዝለዓለ ትኹረት ሂቡ፣ ኩሉመዳያዊ ምንቅስቓስ ገይሩ እዩ፡፡ ውዳበታቱ ኣሕይሉ እውን ይቕፅል ኣሎ፡፡

ብምዃኑ ኮማንድ ፖስት መኸተ ቫይረስ ኮረና ክልልና፣ 23 መጋቢት 2012 ዓ/ም ሓደ ዓብዪ ዜና ኣበሲሩና ኣሎ፡፡ እቲ ዓብዪ ፍፃመ፣ ኣብ ትግራይና፣ ብሓደ ግዜ ቴስዓ (90)፣ ብሓደ መዓልቲ ድማ፣ 270 ሰባት፣ ኩነታት ቫይረስ ኮረና ንምምርማር ዘእኽል መሳርሒ፣ ብዕሊ ስራሕ ምጅማሩ ኣረጋጊፁ ኣሎ፡፡ እዚ ብመሪሕነትን ሰብ ሞያ ክልልናን፣ ፃዕሪ ስርሑ ጀሚሩ ዘሎ መሳርሒ፣ ኣብ ህዝብና ተፈጢሩ ዝነበረ ስኽፍታን ስግኣትን ከምዘቃልል ኣየጠራጥርን፡፡

እንተኾነ እቲ ቤተ ፈተነ፣ ዝጎድልዎ ናውቲ ንኽማልኡን ተወሳኺ መሳርሒታት ንምትካል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ፣ ኣብ ትግራይና ኣብ ኣርባዕቲአን ዩንቨርስቲታት ዘለዉ ተመራመርቲ፣ ብሓፈሻ፣ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዘለዉ፣ ሙሁራን ተመራመርትን ደቂ ትግራይ፣ ምስ፣ ኢንስቲዩቲት ምርምር ጥዕና ትግራይ ተዋዲዶም እጃሞም ዘውፍይሉ እዋን ሎሚ ምዃኑ ክስመረሉ ይግባእ፡፡

ኮማንድ ፖስት መኸተ ቫይረስ ኮረና ትግራይና፣ ዝወፀ ድንጋገ ህፁፅ እዋን፣ ተግባራዊ ንምግባር ዘኽእሉ፣ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ተግባራዊ ገይሩ እዩ፡፡ እቲ ኮማንድ ፖስት፣ ነቲ ድንጋገ፣ ናብ መሬት ብምውራድ ዝተፈላለዩ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ወጊኑ እዩ፡፡ ሕጋዊ ስጉምትታት ምውሳድ ሓዊስካ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ወሲኑ እዩ፡፡ ኣብ ገጠርን ከተማን ዘሎ ዝበዝሕ ህዝብና እውን፣ ንድንጋገ ህፁፅ እዋን ግብራዊ ምላሽ ኣብ ምሃብ ይርከብ፡፡ ብምዃኑ መናኣሰይ፣ ደቂ ኣንስትዮ፣ ሕጋዊ ነጋዶ፣ ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ፣ ልምዓታዊ ሰብ ሃፍቲ ትግራይና፣ ብወለንትኦም ኮሮና ቫይረስ ንምምካት ሓገዛት ገንዘብን ናውቲ ይገብሩ ኣለው፡፡ ብፍላይ ሓደሓደ መካረይቲ ገዛ፣ ድንጋገ ህፁፅ እዋን፣ ካብ ዝወፀሉ ፅባሕ ጀሚሮም፣ ንተኻረይቲ እናበረታትዑ፣ ክራይ ሓደ ወርሒ ይትረፈና ዝበሉ ኣለው፡፡

ዓለምለኸ ምሁራን ትግራይ እጃሞም ንምውፋይ ቀትርን ለይትን ይሰርሑ ኣለው፡፡ ኣባላት ድጅታል ወያነን፣ ከየንቲ ትግራይን ግንዛበ ዘዕብዩ ደርፍታትን ሙዚቃታትን ኣውፅኦም ህዝቢ የምህሩ ኣለዉ፡፡ ዘፈር ኮምኒኬሽንን ሚድያታት ትግራይን እውን ዓለምለኸ ተላባዲ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንምምካት ዘኽእሉ ዓለማዊ፣ ኣህጉራዊ፣ ሃገራውን፣ ክልላዊን ሓበሬታታት በብሰዓቱ የቃልሑ ኣለው፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ብቐንዱ ንህዝብና፣ ብሓፈሻ ብናይ ባዕሎም ተበግሶ፣ሓገዝ ገንዘብ፣ ጉልበት፣ ፍልጠትን ንዝገበሩ ኩሎም መድረግቲ ኣካላት፣ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዘለዎ ናእዳን ኣኽብሮትን ዝለዓለ ምዃኑ እንትገልፅ፣ ህዝብን መንግስትን ሓደ ልቢ ኮይንና ዓቕምና ጠሚርና እንተዳኣ ተንቀሳቒስና፣ ቫይረስ ኮረና ምምካት ዝዓግተና ዝኾነ ምድራዊ ሓይሊ ከምዘይህሉ ይተኣማመን እዩ፡፡

ይኹን’ምበር፣እዚ ንዓለምና ኣብ ከቢድ ስነልቦናዊ፣ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊ ቅልውላውን ኣእትዩዋ ዘሎ፣ ዓለምለኸ፣ ተላባዲ ሕማም ቫይረስ ኮረና ምምካት፣ ዓብይ ተግባር ግና ከምዘይጀመርናዮ ክስመረሉ ይግባእ፡፡ ሐዚ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዕሽሽ ምባልን ሸለልትነት ብግልፂ ይረአ ኣሎ፡፡ መራሕቲ ሃይማኖት ኣቦታት ዝህብዎ ኣስተምህሮን ማዕዳን ሰሚዕኻ ከምዘይሰማዕኻ ምዃን ኣሎ፡፡ መንግስትና ዘውፅኦ ድንጋገ ህፁፅ እውን ጥሒስካ ቀይዲ በተኽ ዝኽየደሉ ኣጋጣሚታት ይስትውዓል ኣሎ፡፡ ውሑዳት ስሱዓት እውን ሃርገፍገፍ ካብ ምባል ዓዲ ክውዕሉ ኣይከኣሉን፡፡ ኣብዚ መንግስትና ብቐንዱ እናምሃረ፣ ነቶም ኣይንሰምዕን፣ ንሕጊ ኣይንግዛእን ዝበሉ ድማ እናተኸታተለ ዝጀመሮ ግቡእ ስጉምቲ፣ ናይ ምውሳድ ጉዳይ፣ ኣጠናኺሩ ከም ዝቕፅለሉ ኩሉ ክፈልጦ ይግባእ፡፡ ብሓፈሻ፣ብውሑዱ እቲ ሕማም ኣብ ጎረቤትና ምእታዉ እናሰማዕና ሸለል ምባል፣እቲ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ክልልና ንክኣቱ ድኹዒ ምዃን እዩ።

ሃገራት ደቡብ ምብራቕን ሰሜን ምብራቕን ኤስያ ማለት፣ ቻይና፣ ሲንጋፖር፣ ታይዋን፣ ደቡብ ኮርያ፣ ቬትናም፣ ህንዲ ወዘተ ዝኣመሰላ፣ ቫይረስ ኮሮና ዝመከትኦን እናመከትኦ ዘለዋን፣ ብቐንዱ፣ ናይዘን ሃገራት መንግስታት ዘውፅእዎም ድንጋገታት፣ ህዝበን ኣሚኑ ብጥቡቕ ድስፕሊን ተግባራዊ ስለዝገብሮ እዩ፡፡ ሃገረ ህንዲ፣ ልዕሊ 1.2 ቢልዮን ህዝባ ካብ ገዛ ከይወፅእ ጌይራ፣ ነቲ ሕማም ንምምካት ትፅዕር ኣላ፡፡ ብኣንፃሩ ትካል ጥዕና ዓለም ዘውፅኦ፣ መከላኸሊ ሜላታት ብዝግባእ ዘይተግበራ፣ ከም በዓል ጥልያንን ኢንዶኒዥያን ዝኣምሰላ ሃገራት ብዙሓት ዜጋታተን ሞይቶም እዮም፡፡ ሓደ ሓደ፣ ምዕራባውያን ሃገራት፣ ስለዝተዘናግዓ፣ ከምኒ ዩ.ኤ.ስ ኣሜሪካ፣ ድማ ሓደ ጊዜ እቲ ቫይረስ፣ “ቫይረስ ቻይና”እዩ እንትብሉ ካሊእ ግዜ ድማ “ኣብ ሓደ ወርሒ ክንቆፃፀሮ ኢና፣” ኢሎም ሸለል ስለዝበልዎ፣ ኣብ ከቢድ ዓዘቕቲ ተረግሪጎም ኣለዉ፡፡

ብምዃኑ ሕዚ ዩ.ኤ.ስ ኣሜሪካ ካብቶም ኣብ ዓለምና ብቫይረስ ኮሮና ዝተጠቕዑ ሃገራት ብቐዳምነት ተሰሪዓ ኣላ፡፡ ኣብ ሓደ ሰሙን ጥራሕ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ዜጋታታ ብሞት ስኢና ኣላ፡፡ ከምኡ እውን ኣብ ሓደ ሰሙን ልዕሊ 6.6 ሚልዮን /ሽዱሽተ ነጥቢ ሽዱሽተ ሚልዮን/ ህዝባ ስራሕ ኣልቦ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ሸለልትነትን ምርጣጥን፣ ምምሕዳር፣ ዩ.ኤስ. ኣሜሪካ ዝተዓዘበ፣ ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት “ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ከቢድ ዋጋ ዘኽፈላ ሽድሽተ(6) ሰሙናት” ብዝብል ርእሲ ነቲ ዝነበረን ዝኸውን ዘሎን ኩነታት፣ ዘስዓቦ ሰብኣዊ ኢኮኖሚያውን፣ ማሕበራውን ቅልውላው ብግልፂ ዘርኢ ነቐፌታዊ ትንታነ ኣቕሪቡ ኣሎ፡፡

ብሓፂሩ ዓለምለኸ ተላባዲ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ፍሉጣት ዶክተራት ሕክምና፣ መራሕቲ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት፣ ኮታስ ድኻ፣ ሃፍታም፣ ዘርኢ፣ ቀለም ወዘተ ከይፈለየ ከም ጋሻ ውሑጅ፣ ንዝረኸቦ ገፊጡ ኣደዳ ሞት ይገብር ኣሎ፡፡ ነዙይ እዩ ዋና ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፣ 24 መጋቢት 2012 ዓ/ም፣ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን በቲ ለበዳ ዝሞቱ ሰባት ቁፅሪ ልዕሊ ዕፅፊ ወሲኹ እዩ። ኣብ ቀፃሊ ክልተ ሰለስተ መዓልትታት፣ ብቫይረስ ኮሮና ዝተሓዙ ሰባት ቁፅሪ 1 ሚልዮን (ሓደ ሚልዮን) ክበፅሕ እዩ፡፡ ቁፅሪ ዝሞቱ ድማ 50 ሽሕ ክበፅሕ እዩ፣ ብምባል ምርባሕን ስፍሓት ተላባዳይነትን እቲ ቫይረስ ክንደየናይ ከቢድ ምዃኑ ዝገለፁ፡፡

ዋና ፀሓፊ ትካል ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዥ፣ ብግዲኦም፣ ዓለምለኸ ተላባዲ ሕማም ኮረና ቫይረስ፣ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዘጋጠማ ከቢድ ፀገም እዩ፡፡ እዚ ተላባዲ ሕማም ኣብ ኣርባዕቲኡ ኩርናዕ ዓለም፣ ዝነብር ሕድ ሕድ ሰብ ዘጥቅዕ፣ ንኣዋርሕ እውን ተወሳኺ ኢኮኖሚያዊ ቅልውላው ዘስዕብ እዩ፡፡ እዙይ ድማ ዘይምርግጋእ፣ ህውከትን፣ ቅርሕንትን ዝፈጥር እዩ፡፡ ብምዃኑ ሎሚ ፀወታ ፖለቲካዊ ቑማር፣ ንጎኒ ገዲፍና፣ እዚ ንኹሉ ወዲ ኣዳም ሓደጋ ጥፍኣት ዝኾነ ቫይረስ ኮሮና ኢድ ንኢድ ክንምክት ይግባእ፡፡ ኣብ ምምዕባል ንዘለዋ ሃገራት እውን 2.5 ትሪሊዮን ዶላር ሓገዝ ክወሃበን ፃውዒቶም ኣቕሪቦም ኣለዉ፡፡

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዲፓርትመንት ጉዳያት ማሕበራዊ ኢኮኖሚ ብወገኑ ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ኣጠቓላሊ ምዕባለ ምህርቲ ዓለም /GDP/ ብዜሮ ነጥቢ ትሽዓተ ሚኢታዊ /0.9%/ ከንቆልቁል እዩ፣ ክብል 24 መጋቢት 2012 ዓ/ም ኣብ ዝዘርግሖ ፅሑፍ ገሊፁ ኣሎ፡፡ በዚ ለበዳ ዓለምና ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ኩነታት ብትሪልዮናት ዝቑፀር ኢኮኖሚ ኽሳራ ኣብፂሑሉ እዩ፡፡ ትካል ምግብን ሕርሻን ዓለም ድማ ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ሕፅረት ምግቢ ከጋጥም እዩ ኢሉ ስግኣቱ ገሊፁ ኣሎ፡፡

ትካል ዓለምለኸ ስራሕ /ILo/፣ ድማ ብኣቆፃፅራ ጎርጎሮሳውያን /ኣውሮፓውያን/፣ 2020 ካብ ሓሙሽተ /5/ ሚልዮን ክሳብ 25 ሚልዮን ዝኸውን ሰራሕተኛ ስራሕ ኣልቦ ከምዝኸውን ገሊፁ ኣሎ፡፡ ብምዃኑ ካብ ስራሕ ክርከብ ዝግበኦ፣ ካብ 860 ሚልዮን ዶላር ክሳብ 3.4 ትሪልዮን ዶላር /ሰለስተ ነጥቢ ኣርባዕተ ትሪልዮን ዶላር/፣ ኣታዊ ከምዘይርከብ እቲ ትካል ወሲኹ ሓቢሩ ኣሎ፡፡ ብድማር ንዓለምና፣ ሃገርናን ክልልናን ኣብ ዓብዪ ስግኣት አእትዩ ዘሎ ቫይረስ ኮሮና ዝተባዝሐ፣ ብውልቀ ሰብ እዩ። ስለዚ መኸተ ቫይረስ ኮሮና ካብ ሕድሕድና ክጅምር ኣለዎ፡፡

ኣብዚ “ብዕራይ ወለደ” እናበሉ ዘደናግሩን ኣብ በለካ ለኽዓካ ዝውዕሉን ብኣፃብዕቲ ዝቑፀሩ ሰባት፣ ኣብ ምምካት ኮሮና ቫይረስ ኣሉታዊ ተራ ይፃወቱ ኣለዉ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ቑማር ይፃወቱ ስለዘለዉ ክኹነኑ ይግባእ። ይኹን ዳ’ምበር ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ፣ ብፍላይ ድጅታል ወያነ፣ ነዞም መደናገርቲ፣ ተኸታቲሉ እናቃልዐ ስለዝመከቶም ከምቲ ዝሓሰብዎ ዝደናገረሎም ሰብ ረኺቦም እዮም ዝበሃል ኣይኮነን፡፡
ሎሚ ንህዝብና ዘድልዮ፣ ፖለቲካዊ ቁማር ዝፃወት ወይ ብሓሰት ዝንግድ ኣይኮነን፡፡ ሕዚ ህዝብና ዘድልዮ፣ መሸፈኒ ገፅ ማለት ማስክ፣ ሰሪሖም ዘቕርቡ ከም በዓል ፋብሪካ ኣልመዳ፣ ኣልኮል ኣፍርዮም ዘከፋፍሉ ከም በዓል ፋብሪካ ኣረቂ ደስታ፣ ከምኡ እውን ብናይ ባዕሎም ምህዞ፣ መሕፀቢ ኢድ ሓዊስካ ዝተፈላለዩ ፍርያት ዘፍርዩ ከም ዘለዉ ኣብ ደኣንት ዝተዋፈሩ መናእሰይን ካልኦት ወገኖም ከይጠሚ ካብታ ዘላቶም ዘማቕሉ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ውልቀ ሰባትን ዝገብሩዎ ዘለዉ ሰናይ ተግባር ጥራሕ እዩ ዘድልዮ ንህዝቢ ትግራይ፡፡ ስለዚ ኣብ ከተማታት ዝነብር ህዝብና ንዕለታዊ ናብርኡ ዘድልይዎ ሸቐጣትን ጥረ-ምረን ዝኣመሰሉ ሕፅረት ከየጋጥሙ፣ ዝተፈላለዩ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት፣ ትካላት ደኣንት፣ ሕጋዊ ነጋዶ፣ ተወዲቦምን ብውልቀኦምን፣ ብተመጣጣኒ ዋጋ ጠለብ ህዝብና ከማልኡ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ይፅውዕ፡፡

ኣብ መወዳእታ ዓለምለኸ ተላባዲ ሕማም ቫይረስ ኮሮና፣ ዘስዕቦ ቅልውላው፣ ዋላ ከቢድ እንተኾነ ፈፂምና ኢድና ክንህቦ ኣይግባእን፡፡ ከምቲ ወለድና “ዝሓበራያ ኣፃብዕትስ ኣርቃይ የፅምብዓ” ዝብልዎ ሎሚ ነዚ ኣንፀላልዩ ዘሎ ሓደጋ ክንምክት ታሪኽ ዝዓደለና ደቂ ትግራይ ኩላትና “ትግራይ ዝዓደየ፣ እቲ ንሓብረሉ ሎሚዶ ኣይኮነየ” ኢልና፣ ካብ ካልኦት ሃገራት ብሉፃት ተሞክሮ እናወሰድናን ናይ ባዕልና ምህዞታት እናወሰኽናን ሕድሕድና ነተን መከላኸሊ ሜላታት፣ ብግቡእ ተግባራዊ ንምግባር፣ ሓደ ልቢ ኮይንና እንተተላዒልና፣ ቫይረስ ኮሮና ከም እንምክቶ ዘጠራጥር ነገር ኣይህሉን፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
መቐለ፡ 25 መጋቢት 2012 ዓ/ም

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.