Fana: At a Speed of Life!

ለበዳ ሕማም ኮቪድ 19 ኣብ ሰደድ ወፃኢ ዝፈጠሮም ሓደሽቲ ዕድላት ንምጥቃም ዘኽእሉ ኣማራፅታት ስትራተጂ ከምዝተሰናድኡ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ለበዳ ሕማም ኮቪድ 19 ኣብ ሰደድ ወፃኢ ዝፈጠሮም ሓደሽቲ ዕድላት ንምጥቃም ዘኽእሉ ኣማራፅታት ስትራተጂ ከምዝተሰናድኡ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣይተ መላኩ ኣለበል ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፥ ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ 2 ነጥቢ 4 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ዋጋ ዘለዎም ፍሪያታት ናብ ኣሜሪካ ሰደድ ተገይሮም።

ኣብ ቀፃሊ እውን እቲ ዓለም ለኻዊ ዕድል ዕዳጋ ንምጥቃም ዘኽእል ኤግዚት ስትራቴጂ ከምዝተሰናድአ ተዛሪቦም።

ሰደድ ወፃኢ ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ብ13 ሚኢታዊ ምውሳኹ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ ኣብ ዝቕፅል እውን ፍሪያት ብምስሳን ውፅኢታዊ ዝኾነ ዕዳጋ ዓለም ንምርካብ ፃዕሪ ከምዝገብር ሓቢሮም።

ስለዝኾነ እቲ ዓውዲ ካብ ፅዕንቶ ቫይረስኮሮና ብምግልጋል ትርፊ ዕዳጋ ንምርካብ ዘኽእል ስርዓት/ቀመር ከምዝተሰርሐሉ ኣብሪሆም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ንምግብነት ዘገልግሉ ፍሪያታት ብብርኪ ዓለም ተደለይቲ ስለዝኾኑ ኢትዮጵያ ነዚ ዕድል ኣብ ምጥቃም ፃዕሪ ክትገበር ኢያ እውን ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.