Fana: At a Speed of Life!

ሊግ መናእሰይ ፓርቲ ብልፅግና 19 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ሊግ መናእሰይ ፓርቲ ብልፅግና ንሰራዊት ምክልኻልን ንተመዛበልቲ ወገናትን ዝውዕል 19 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሩ።

መንእሰይ ወለዶ ኣብ ወፍሪ ህልውና ናብ ግምባር ከይዱ ካብ ምስላፍ ሓሊፉ ንጅግና ሰራዊት ምክልኻልን ንተመዛበልቲን ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል እቲ ሊግ ገሊፁ፡፡

ሓላፊ ሊግ መናእሰይ ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣክሊሉ ታደሰ፥ መንእሰይ ንሃገር ካብ ዝኸፍሎ መስዋእትነት ሓሊፉ ንወገን ዝበፅሕ ከምዝኾነ ዘርኢ ሓገዝ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ብምዃኑ እቲ ሊግ ኣብ ግምባር ዓፋርን ወሎን ግምቶም 38 ሚሊየን ብር ዘውፅእ ሓገዝ ምግቢ፣ መስተን ክዳውንቲን ኣበርኪቱ፡፡

ኣብ ግምባር ወሎ ንዝርከቡ ሓይሊታታት ፀፅታን ተመዛበልቲን ድማ ልዕሊ 19 ሚሊየን ብር ዘውፅኡ ሓገዛት ኣረኪቦም፡፡

እቲ ሓገዝ፥ ወፍሪ ህልውና ክሳብ ዝዛዘም ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተገሊፁ፡፡

ብከድር መሓመድ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.