Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ በዓል መውሊድ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ በዓል መውሊድ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ።

እቲ ቤት ምኽሪ መበል 1 ሺሕን 497 ዓመት በዓል ልደት ነብዩ መሓመድ (መውሊድ) ኣመልኪቱ መግለፂ ኣውፂኡ።

በዓል መውሊድ እዚ ዓመት ነብዩ መሓመድ ንመላእ ዓለም ዝተለኣኹ ብምዃኖም ናቶም ልህቀት ብዝገልፅ መልክዑ “ናይ እዝነት ነቢይ” ብዝብል መሪሕ ቃል ከምዝኽበር ኣፍሊጡ።

ነብዩ መሓመድ ንሓበሻ ካብ ሕቑፎ ክሳብ ሕልፈቶም ብፍሉይ ይፈልጡዋ ነይሮም ዝበለ እቲ መገርለፂ÷ ብምኽንያት እዚ መውሊድ ብኢትዮጵያውያን ሙስሊማት ብፍሉይ ዝኽበርን ኩርዓትን ከምዝኾነ ሓሩ፡፡

ኣሰር ነብዩ መሓመድ ብምስዓብ ስብእነኦም ብምጉንፃፍ ናብ ሰላም ዝወስዱ ሰናይ ተግባራት ምስራሕ ከምዝግባእ እቲ መግለፂ ኣገንዚቡ።

መውሊድ ኩሎም ዝተፀገሙ ዜጋታት ዝሕገዙሉ ኽኸውን ዝሓተተ እቲ ቤት ምኸሪ÷ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ።

ብምንተስኖት ሙሉጌታ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.