Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ኣኽሱም በቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዝተፈፀሙ ገበናትን ዝተሳለጡ ተግባራት ምርመራ ገበንን ኣመልኪቱ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ጉንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ኣኽሱም በቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዝተፈፀሙ ገበናትን ዝተሳለጡ ተግባራት ምርመራ ገበንን ኣመልኪቱ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቡ።

ሙሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መግለፂ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡-

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራልን ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራልን ዝተውፃእፅኡ ኣባላት ብዝተጣየሸ ጉጅለ ምርመራ ኣቢሉ ህወሓት ኣብዛ ሃገር ዝኣወጆ ኲናት ስዒቡ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ኣኽሱም ኣብ ወርሒ ሕዳር 2013 ዓ.ም ዝተፈፀሙ ገበናት ስራሕቲ ምርመራ እናካየደ ይርከብ።

ብመሰረት እዚ ኣብታ ከተማ ብሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈፂሙ ብዝብል ንዝቐረበ ሓበሬታ ግቡእ ምላሽ ንመሃብ እቲ ጉጅለ ምርመራ ገበን ተፈፂሙሉ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ብኣካል ብምርካብ ዝተፈፀሙ ተግባር ገበናት ምህላዉን ዘይምህላዉን፤ ተፈፂሞም እንተኾይኖም ድማ መንነት እቲ ገበን ዝፈፀሙ ኣካላት ንምፍላይ ዘኽል ምርመራ እናካየደ ይርከብ።

ኣብታ ከተማ ሞይቶም ብዛዕባ ዝተብሃሉ ሰባት ብዝተገበረ ምፅራይ ኣብ እዋን ኲናት ነቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ዒላማ ዝገበረ መድፍዕ ተተኲሱ ዒላማ ብምስሓቱን ኣብ መንበሪ ገዛ ነበርቲ እታ ከተማን ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱምን ብምውዳቑ ኣብ መንበሪ ገዛ 4 ሰባት ከምኡ እውን ኣብ ከባቢ እቲ ዩኒቨርሲቲ ሓደ ብድምሩ 5 ሰባት ዝሞቱ እንትኾኑ፥ ብተወሳኺ ድማ ህፁፅ ኣዋጅ ኣብ ከይዲ ምፍፃም ሓደ ሰብ ተተሓሒዙ ሕጊ እናኽበሩ ካብ ዝርከቡ ኣባላት ፖሊስ ብዝተፈጠረ ጎንፂ ሓደ ተወሳኺ ብሓፈሻ 6 ሰባት ከምዝሞቱ ተረጋጊፁ።

ብኻሊእ መዳይ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ካብ 10 ሕዳር 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ንኻሊእ ወፍሪ እታ ከተማ ለቒቑ ክሳብ ዝወፅአሉ 18 ሕዳር 2013 ዓ.ም ኣብ ከተማ ኣኽሱም ፀኒሑ ኢዩ።

18 ሕዳር 2013 ዓ.ም ሰራዊት ምክልኻል ንተወሳኺ ወፍሪ እታ ከተማ ለቒቑ እንትወፅእ ካድረታት ህወሓት ቁፅሩ ንኡስ ዝኾነ ሰራዊት ኤርትራ ብኽልተ ተሸከርከርቲ ናብ ጎቦታት እታ ከተማ ብምምፃእ ዓስኪሪ ኢዩ።

የኤርትራ ሰራዊት ለመዋጋት ሳይሆን እጅ ለመስጠት ይፈልጋል በሚል አስወርተው አዴት ተብሎ በሚጠራ አካባቢ ያሉ የሕወሃት ልዩ ኃይልና ሚሊሻ አባላት በከተማዋ ውስጥ ካሉት 1500 የሚጠጉ የተኩስ ስልጠና የወሰዱ ወጣቶች ጋር በመሆን ወደ አክሱም ከተማ ለመዋጋት ገብተዋል ሰራዊት ኤርትራ ንምውጋእ ዘይኮነስ ዘይኮነስ ኢድ ንመሃብ ዝደሊ ኢዩ ብዝብል ኣውሪዮም ዓዴት ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ዘለዉ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊን ምልሻን ህወሓት ኣብ ውሽጢእታ ከተማ ምስ ዘለዉ 1500 ዝፅግዑ ስልጠና ተኹሲ ዝወሰዱ መናእሰይ ብምዃን ናብ ከተማ ኣኽሱም ንምውጋእ ኣቲዮም ኢዮም፡፡

ኣብ በረኻ ዝነበረ ነበር ከንቲባ ከተማ ኣኽሱም ድማ ደብዳበ ፅሒፉ ካብ እዚ ሰሜን ዝተሰረቑ ሓዊሱ ኣብ ሓሙሽተ ከባቢታት ዝተኸዘኑ ኣፅዋራት ኣብ ከተማ ኣኽሱም ካብ 1 ክሳብ 9 ሕዳር 2013 ዓ.ም ኣብ ዘሎ ግዘ ጥራሕ ህወሓት ናይ ሓደ መዓልቲ መሳርሒ ስልጠና ተኹሲ ብመሃብ ንዘይሕጋዊ ትባር ዘሰናድኦም 1 ሺሕን 500 መናእሰይ ክከፋፈል ትእዛዝ ሂቡ።

እዚ ብዛዕባ ምዃኑ እቲ ጉጅለ ምርመራ መሳርሒታት ኲናት ምስ ዝበፅሖምን መናእሰይ ከምኡ እውን ካብ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ዝተረኸበ ቃል ምስክር ምርግጋፅ ተኻኢሉ ኢዩ።

እቶም ኣፅዋራት ኣብ ሓደ ቦታ ዝተኸዘኑ አንትኾኑ፥ ኣብ ሓደ መኽዘን ጥራሕ 400 ኣፅዋራት ወፃኢ ኮይኑ ኢዩ። ብሓፈሻ እቶም ኣካላት ተሓባቢሮም ካብ ንጎሆ 12 ሰዓት ክሳብ 8 ሰዓት ናይ ቀትሪ ኣብ ዝነበረ ኲናት መጥቃዕቲ እንተብፅሑ ውዒሎም ሓጋዚ ሓይሊ ኣብቲ ቦታ አንትበፅሕ ናብታ ከተማ ሃዲሞም መእታዎም በቲ ምርመራ ተረጋጊፁ።

ብምኽኒያት እዚ ዝበፅሐ ጉድኣት ንምፅራይ ኣብ ዝተገበረ ፃዕሪ ናይ 95 ሰባት ምስክርነት ቃል ምቕባል ዝተኽኣለ እንትኸውን ኣብ ከይዲ ምርመራ በቲ ኲናት 93 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑን እቶም መወትቲ እውጅን ወታደራዊ ክዳን እንተዘይተኸደኑ እውን ኣብዝሓ ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ሰባት ምዃኖም ብምርመራ ዝተረጋገፀ ጉዳይ ኢዩ።

ገበን ኣገዲድካ መድፋር ብዝምልከት ሓፈሻዊ 116 ተበደልቲ ንፖሊስ ቃለን ሂበን።

ኣብቲ ዝተገበረ ምርመራ ኣብቲ ገበን ዝተሳተፉ ኣባላት ፖሊስ ፌዴራልን ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ተፈሊዮም ናይ ኣባላት ፖሊስ ፌዴራል ጉዳይ ብዓቃቤ ሕጊ እቲ ክልል ንክምርመር ከምኡውን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ወታደራዊ ግዳጅ እንተለዉ ዝፈፀምዎ ገበን ብምዃኑ  እቲ ጉዳይ ብወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ንክረአ ተሓላለፎም ተዋሂቦም።

ገበን ኣገዲድካ ምድፋር ዝፈፀሙ ሰባት ብዝቐረበ ኣቤት ቱታ ልክዕ ንምፍላይ ልዑል ፃዕሪ ዝተገበረ እንትኸውን፥ ህወሓት ኣቐዲሙ ብከቢድ ገበን ዝተኸሰሱን ዝተፈረዶምን ኣስታት 10 ሺሕ እሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ ፈቲሑን ነቲ ክልል ፍሉይ ሓይሊን ሚሊሻን ዩኒፎርም ወተሃደራት ኤርትራ ብምድላው ከምኡውን ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ኣብ ዝሰንዘረሉ እዋን ካብ ዝቐተሎምን ካብ ዝሓዞምን ኣባላት ሰራዊት ወተሃደራዊ ደምቢ ክዳን ኣውፂኡ ንናይ ባዕሉ ወተሃደራት ብምኽዳን ይጥቀም ዝነበረ እንትኸውን ማንነት እቲ ፈፃሚ ገበን ንምፍላይ እቲ ስራሕ ኣፀጋሚ ገይርዎ ኢዩ።

ብመቕተልቲ ይኹን ኣገዲድካ ምድፋር ገበን ኣብ መደምደምታ ንምብፃሕ ብምርመራ ክፍለዩ ዝግበኦም ዝተረፉ ጉዳያት እንተሃለዉ እውን ኣፈፃፅማ እቲ ተግባርን መንነት ፈፀምቱን ንምርግጋፅ ዝሕግዙ መረዳእታታት ሰብ፣ ሰነድን ናይ ምእካብ ስራሕ ተሰሪሑ ኢዩ።

ሐዚ እውን እቲ ምርመራ ዝቐፀለ እንትኸውን መሰኻኽር ብምልኣኽ ዝተጠቆሙ ተጠርጠርቲ ናይ ምፍላይ ስራሕ ይስራሕ ዘሎ እንትኸውን ኣብ ከባቢ ቤተ ከርስቲያን ኣባታት እምነትን ኣፈፀምቲ ቀብሪን ቃል ምስክር ናይ ምቕባል ከምኡውን ካብ ሆስፒታላት መረዳእታ ሕክምና ናይ ምእካብ ስራሕ ይስራሕ ኣሎ።

ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ እውን ምስ ትካላት ፍትሒን ፀፅታን ፌዴራልን ክልልን ብምዃን ለዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ ዝሕግዝ ፃዕሪ ተጠናኺሩ ዝቕፅል እንትኸውን ጊዜ ይወስድ ይኸውን እንበር ኣብ ኹሎም ገበናት ዝተሳተፉ ሰባት ኩሎም ኣብ ኣደባባይ ፈትሒ ግቡእ ቅፅዓት ንክረኽቡ ብንቕሓት ዝሰርሕ ከምዝኾነ ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ይገልፅ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.