Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ኣብ ልዕሊ እኒ ኣይተ ጃዋር መሓመድ መዝገብ ክሲ ከምዝኸፈተ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴራል ኣብ ልዕሊ እኒ ኣይተ ጃዋር መሓመድ፣ ኣይተ በቀለ ገርባ፣  ሃምዛ ኣዳነ መዝገብ ክሲ ብዕሊ ከምዝኸፈተ ሎሚ መዓልቲ ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ ብዘየለውሉ ዝተኸሰሱ ናይ ኦሮሚያ ሚዲያ ኔትወርክ (OMN)፤ ደጀኔ ጉተማ ፤ ብርሃነመስቀል ኣበበ(ዶ/ር)ን ፀጋዬ ረጋሳን ሓዊሱ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ 24 ሰባት ከከምተሳትፈኦም ኣብቲ መዝገብ ክሲ ከምዝተኻተቱ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴራል እቶም ተኸሰስቲ ከከምተሳትፈኦም 1996 ዓ.ም ዝወፅአ ሕጊ ገበን ዓንቀፅ 240 ብምትሕልላፍ ብሄርን ሃይማኖትን መሰረት ዝገበረ ጎንፂ ሕድሕድ ብምውላዕ ሓደ ወገን ኣብ ልዕሊ ካሊእ ንክለዓል ብምግባር፣ ገበን ግብረ ራዕዲ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዝወፅአ ኣዋጅ ቁፅሪ 1176/2012፤ ገበን ምጭብርባር ቴሌኮም ኣዋጅ ቁፅሪ 761/2004ን ኣዋጅ ቁፅፅር ምምሕዳር መሳርሒ ኣፅዋር ኲናት ቁፅሪ 1177/2012 ብምትሕልላፍ ዝፈፀምዎ ገበን ብምሕባር መዝገብ ክሲ ከምዝኸፈተ ኣፍሊጡ።

ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴራል 6 መስከረም 2013 ዓ.ም ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ምድብ መጋባእያ ብመዝገብ ቁፅሪ 260215 ዝኸፈቶ ክሲ ዓሰርተ ተደራራቢ ክሲታት ዝሓዘ ከምዝኾነ እውን ኣፍሊጡ።

እቶም ተኸሰስቲ 11 መስከረም 2013 ዓ.ም ኣብ ቤት ፈርዲ ቀሪቦም እቲ ክሲ ክበፅሖም ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴራል ዘውፅኦ መረዳእታ ይሕብር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.