Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ዘካተተ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ናብ ሰመራ ኣምሪሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 09 ነሓሰ፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ዘካተተ ጉጅለ ልኡኽ ብሓደጋ ውሑጅ ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ንምሕጋዝ ዓሊሙ ሎሚ ንጎሆ ናብ ሰመራ ኣምሪሑ።
 
ብርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ፥ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ፌዴሪኢ ዶክተር ኣብረሃም በላይ፣ ሚኒስትር እቶት ኣይተ ላቀ ኣያሌውን ሚኒስትር ትምህርቲ ዶክተር ኢንጂነር ጌታሁን መኩሪያን ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ይርከብዎ።
 
ኣባላት እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሱልጣን ኣሊሚራህ ሃንፍሬ ሰመራ እንትበፅሑ፥ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣይተ ኣወል ኣርባ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ክልል ኣቀባብላ ከምዝገበርሎም ተገሊፁ።
 
መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ንሰበኽ ሳግም ክልል ዓፋር ዝውዕል 900 ኩንታል እኽሊ ሂቡ።
 
ካብቲ ዝተውሃበ ሓገዝ እቲ 100 ኩንታል ንነብሰ ፁር ኣዴታትን ህፃናትን ዝውዕል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
 
ብተመሳሳሊ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ 500 ኮበርታ፣ 500 ኣንሶላ፣ 500 ፍርናሽን 1 ሺሕን 500 ኩንታል እኽሊን ሓገዝ ከምዝገበረ ተገሊፁ።
 
ሚኒስቴር እቶት ፌዴሪኢ ብግድኡ፥ ኣብ ክልል ዓፋር ብሰንኪ ውሑጅ ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ልዕሊ 46 ሚሊየን ብር ዝግመት ዝተፈላለዩ ኣልባሳት፣ ሽኮር፣ ዘይቲ ብልዒ፣ ሩዝ፣ ሕሩጭን ፓስታን ደገፍ ገይሩ።
 
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
 
https://t.me/tigrignafana
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.