Fana: At a Speed of Life!

ሌተናል ጀኔራል ይልማ መርዳሳ ሓይሊ ኣየር ንባዕሉ ምድቡ እናዋደደ እናዘነ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ኣየር ፌ.ዲ.ሪ.ኢ “ሰራዊት ሃገር እምበር ብሄር የብሉን” ካብ ዝብል ለውጢ ኣተሓሳስባ ጀሚሩ ብስልጠና ኣወዳድባን ዕጥቂን ከምኡ እውን ብህንፀት ሓይሊ ሰብ ንባዕሉ ምድቡ እናዋደደን እናዘመነን ከምዝኾነ ዋና ኣዛዚ እቲ ሓይሊ ኣየር ሌተናል ጀኔራል ይልማ መርዳሳ ገሊፆም።

ኣብ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ማእኸላዊ ምድብ ኣብ ወፍሪ ኣፈፃፅመኦም ዕዙዝ ውፅኢት ንዘመዝገቡ ኣባላትን ኣመራርሓታትን እቲ ሰራዊት መርሃ ግብሪ ኣፍልጦን መበረታትዒ ሽልማትን ተኻይዱ።

ዋና ኣዛዚ እቲ ሓይሊ ኣየር ሌተናል ጀኔራል ይልማ መርዳሳ፥ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተረኺቦም ሽልማት ኣፍልጦን መምርሒ ስራሕን ሂቦም።

ሌተናል ጀኔራል ይልማ መርዳሳ ኣብቲ እዋን ኣብ ዝገበሩዎ መደረ፥ እቲ ሓይሊ ኣየር “ሰራዊት ሃገር እምበር ብሄር የብሉን” ካብ ዝብል ለውጢ ኣተሓሳስባ ጀሚሩ ብስልጠና ኣወዳድባን ዕጥቂን ከምኡ እውን ብህንፀት ሓይሊ ሰብ ንባዕሉ ምድቡ እናዋደደን እናዘመነን ከምዝርከብ ገሊፆም።

“ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰሜን እዚን ሰሜን ምድብ ኣየርን ዝፈፀሞ ኣረመኔያዊ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኣብ ዝተወሰዱ ተኸታተልቲ ወፍሪታት ጀጋኑ እቲ ምድብ መስዋእትነት እውን ብምኽፋል ዘኹርዕ ታሪኽ ሰሪሖም ኢዮም” ኢሎም እቶም ዋና ኣዛዚ።

ኣብ ቀፃሊ ከንፀላሉ ንዝኽእል ዝኾ ይኹን ወፍሪ ንባዕሉ ብዝበለፀ ብምስንዳእ ንኢትዮጵያ ዝምጥን ዓቢዪ ሓይሊ ኣየር ናይ ምህናፅ ጉዕዞ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ክብሉ ምሕባሮም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.