Fana: At a Speed of Life!

ሌተናል ጄኔራል ታደሰ ወረደ ሓዊሱ  ኣብ ልዕሊ 19 ኣባላትን ኣመራርሓን ህወሓት  እገዳ ተነቢሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ግንቦት ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሌተናል ጄኔራል ታደሰ ወረደ ሓዊሱ  ኣብ ልዕሊ 19 ኣባላትን ኣመራርሓን ህወሓት  ቀወምቲ ንብረታት እገዳ ከምዝተነበረ ግብረ ሓይሊ ደሕንነትን ፀጥታን ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ግብረ ሓይሊ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ከምዝበሎ፥  ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ሼኔ እንትድግፉ ዝነበሩ 141 ተጠርጠርቲ ስርዓት ፋይናንስ ንኽቋረፅን ገንዘቦን ንክእገድን ተገይሩ።

ንብረቶም ንክእገድን ንኸይንቀሳቐስን ዝተገበሩ ኣባላትን ኣመራርሓን ግብረ ራዕዲ ህወሓት፥ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ  ብቕፅል ስሙ ወዲ ወረደ፣ ሌተናል ጀነራል ፍስሃ ኪዳኑ ብቕፅል ስሙ ፍስሃ ማንጁስ ፣ሜጀር ጀነራል አበበ ተ/ሀይማኖት ብቕፅል ስሙ ጆቤ፣ ሜጀር ጀነራል ሀልፎም እጅጉ ብቕፅል ስሙ ወዲ እጅጉ፣ ሜጀር ጀነራል ተስፋዬ ግደይ፣ብርጋዴር ጀነራል ሃ/ስላሴ ግርማይ ብቕፅል ስሙ ወዲ እንቤተይ፣ ብርጋዴር ጀነራል ምግበ ሀይለ፣ ብርጋዴር ጀነራል ተክላይ አሸብር  ብቕፅል ስሙ ወዲ አሸብር፣ ኣይ ኢሳያስ ወ/ጊዮርጊስ፤ ኣይተ ሀሰን ሽፋ ብድምሩ19 ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ኣብ መቐለ ኮይኖም ነቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሓበሬታ ዝህቡ፣ ብሕቡእ ደገፋት ፋይናንስን ሎጀስቲክስን እንተቕርቡን ተመሳሲሎም መጥቃዕቲ ዝፍፅሙ ዝነበሩን 14 ኣባላት እቲ ጉጅለ ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.