Fana: At a Speed of Life!

ልምዓት መዓድንን ነዳዲን ንምቅልጣፍ ዘኽእል ሰለስተኣዊ ሰነድ ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር መዓድንን ነዳዲን፣ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን፣ ከምኡ እውን ኢኒስቲትዩት ትምህርቲን ስልጠናን ቴክኒክን ሞያን ፌዴራል ልምዓት መዓድንን ነዳዲን ንምቅልጣፍ ዘኽእል ሰለስተኣዊ ሰነድ ስምምዕነት ተፈሪሞም።

እቲ ስምምዕነት ዘፈር መዓድንን ነዳዲን ብሳይንስ፣ ብመፅናዕቲን ምርምርን ምሕጋዝ ንኩለመዳይ ምዕባለ ሃገር ልዑል ኣስተዋትኦ ከምዘበርክት ተኣሚኑሉ ኣሎ።

እተን ትካላት ሃፍቲ መዓድንን ነዳዲን ብግቡእ ንምጥቃምን ዓለም ለኻዊ ተዋዳዳራይነት ንምዕባይን በቲ ዓውዲ ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ንምፍራይ፣ ስርዓተ ትምህርቲ እቲ ዓውዲ ብምሕንፃ ትምህርቲን ስልጠናን ዝወሃበሎም ክፍሊታት ትምህርቲ ኣብ ትሕቲ ዝተመረፃ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ትካላት መሰልጠኒ ማእኸላት ቴክኒክን ሞያን ንምኽፋት ተስማዕሚዐን።

ሚኒስትር መዓድንን ነዳዲን ዶክተር ሳሙኤል ኡርቃቶ፥ ልምዓት መዓድንን ነዳዲን ንምቅልጣፍ ዝሕግዙ ትካላት ምርምርን መሰልጠኒን በቢብርኩ ንዝግበር ልምዓት ሃፍቲ ሰብ፣ ህንፀት ዓቕሚን ስልጠና ሰልጠንቲን ኣብ ኢንዱስትሪታት እቲ ዓውዲ ናይ ተግባር ልምዲ ዝረኽቡሉ ዕድል ንምምዕርራይ፣ ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ኢንዱስትሪታት ልውውጥ ልምዲን ምትሕብባር ስራሕን ንምፍጣር፣ ምስተን ትካላት ብምውዳድ ከምዝስራሕ ገሊፆም።

ሚኒስትር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ፕሮፌሰር ሂሩት ወልደማርያም ብግደአን፥ ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ንምፍራይ ዘኽእል መዓቐፍ ስርዓተ ትምህርቲ ምድላው፣ ዝኽፈቱ ማእኸላት ክፍሊ ትምህርቲን ስልጠናን ብመፅናዕቲን ምርምርን ንኽምዕብሉ ዘኽእል ሜላ ናይ ምሕንፃፅ ተግባራት ከምዝስርሑ ገሊፀን።

ዋና ዳይሬክተር ኢኒስቲትዩት ትምህርቲን ስልጠናን ቴክኒክን ሞያን ፌዴራል ኣይተ ተሻለ በሬቻ፥ ኣብ ልምዓት መዓድንን ነዳዲን ንዝኽፈቱ ክፍሊታት ትምህርቲን ስልጠናን ፕሮግራም ምሕንፃፅ፣ ሰብ ሞያታት እቲ ዓውዲ ብስልጠና ክበቕዑ ምግባር፣ ማእኸላት ምርምር ብምጥያሽ ስራሕቲ ምርምርን ዝተረኸቡ ውፅኢታት ንተረባሕቲ ክበፅሑ ምግባር፣ ኣብቲ ዓውዲ ምስ ዝተዋፈሩ ኩባኒያታትን ኢንዱስትሪታትን ምትሕብባር ስራሕ ንኽፍጠር ከምዝስራሕ ካብ ሚኒስቴር መዓድንን ነዳዲን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.