Fana: At a Speed of Life!

ልኡል ዌልስ ቻርለስ ብቫይረስ ኮሮና ተለኺፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ልኡል ዌልስ ቻርለስ ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተለኸፉ ተገሊፁ።

እቶም ወዲ 71 ዓመት ልኡል ዌልስ ብዝተገበረሎም ምርመራ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉን ምክት ናይቲ ቫይረስ ከምዝርኣዮምን ካብ ንጉሳዊ ዓሌት ብሪታኒያ ዝወፅኡ ሓበሬታታት ኣመላኺቶም።

ጓል 72 ዓመት በዓልቲ ገዝኦም ግን ካፍቲ ቫይረስ ናፃ ምዃነን ተገሊፁ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ንባዕሎምን በዓልቲ ገዝኦምን ናብ ፈሊኻ መፅንሒ (ኳራንቲን) ኣእቲዮም ኣለዉ ተባሂሉ።

ኣብ ብሪታኒያ 8 ሺሕን 167 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ እንትኾኑ፥ ልዕሊ 400 ድማ ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.