Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ ብር 71 ሚሊየን ዋጋ ዘለዎም ኣፋውስን እታወታት ሕክምናን ናብ ትግራይ ተላኢኾም ይከፋፈል ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጥዕና፣ ኤጀንሲተዛቱን ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይን ምስ ሰብኣዊን ኣጋራት ልምዓትን ብምትሕብባር ኣብ ክልል ትግራይ ሓገዝን መሊስካ ምጥያሽን እናሰርሑ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ኣብ ዝተጎድኡ ከባቢታት ዘሎ ሕብረተሰብ ቅድሚ ኩሉ ድሕንነቱን ጥዕናኡን ትኹረት ዝግበኦ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ጥዕና ገሊፁ፡፡

መንግስት በተለያዩ የትግራይ አካባቢዎች የድንገተኛ ምላሽ እየሰጠና ወገኖች ወሳኝ የጤና አገልግሎቶች እንዲያገኙ ለማድረግ ላለፉት በርካታ ሳምንታት እየተሰራ መሆኑን ሚኒስቴሩ አስታውቋል፡፡

ሚኒስቴር ጥዕና ኣብ ትግራይ ንዝበፅሐ ህፁፅ ኩነታት ቅልጡፍ መልሲ ንመሃብ ጉጅለ ሰብ ሞያታት ጥዕና ናብቲ ክልል ልኢኹ ከምዝነበረ ይፍለጥ፡፡

ክሳብ ሕዚ ድማ ልዕሊ ብር 71 ሚሊየን ዋጋ ዘለዎም ኣፋውስን እታወታት ሕክምናን ኣብቲ ክልል ንዝርከባ ማእኸላት ቀረብ ኣፋውስ ተላኢኾም ናብ ሆስፒታላትን ጣቢያ ጥዕናታትን እናተኸፋፈሉ ይርከቡ ተባሂሉ፡፡

እተን ትካላት ጥዕና ዝህበኦ መሰሰረታዊ ኣገልግሎት ክቕፅላ ንምግባር ካብ ቀረብ ኣፋውስን እታወታትን ብተወሳኺ ኣምቡላንሳት ሓዊሱ ሓገዝ ቴክኒክን ገንዘብን እናተገበረ ከምዝርከብ እውን እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ፡፡

የጤና ሚኒስትር ዶክተር ሊያ ታደሰ፣ የጤና ሚኒስትር ዲኤታ ዶክተር ደረጄ ዱጉማ እና የኤጀንሲ ዋና ዳይሬክተሮች ከጥር 4 እስከ ጥር 5 ቀን 2021 በሰላም ሚኒስትሯ ሙፈሪያት ካሚል የተመራው የብሔራዊ የአስቸኳይ ጊዜ አስተባባሪ ቡድን ልዑክ አካል ነበሩ

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፣ ሚኒስትር ዲኤታ ጥዕና ዶክተር ደረጀ ዱጉማን ዋና ዳይሬክተራት ኤጄንሲ ቀረብ ኣፋውስን፤ ኣካል እቲ ካብ 4 ክሳብ 5 ጥሪ 2013 ብሚኒስቴር ሰላም ሙፈሪያት ካሚል ዝተመርሐ ብሄራዊ ጉጅለ መተሓባበሪ ህፁፅ እዋን ነይሮም፡፡

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዑደቱ ምስ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብምዝታይ ቅልጡፍ ምላሽ ዝደልዩ ጉዳያት ጥዕናን ኩለመዳይ ዛዕባታትን ዘቐደሙ እንትኾኑ፥ ውፅታዊ መልሲ ንመሃብ ድማ ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት እናተሰርሐ ይርከብ ተባሂሉ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.