Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 218 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ናውቲታት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮምሽን ጉምሩክ ካብ 19 ክሳብ 25 ጥሪ 2015 ዓ.ም ብዝገበሮ ክትትል ንልዕሊ 218 ሚሊየን ብር ዘውፅኡ ናውቲታት ኮንትሮባንድ  ምሓዙ ኣፍሊጡ።

ካብዞም ዝተትሓዙ ውሽጢ 156 ነጥቢ 5  ሚሊየን ብር ዝኣትዉ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ  እንትኾኑ፥ 62 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዝወፁ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ እዮም ተባሂሎም ፡፡

ካብዞም ዝተተሓዙ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ውሽጢ ክዳውንቲ፣ ነዳዲ፣ እንሰሳት፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ቡን፣ መድሓኒት፣ ተሸከርከርቲ፣ መሓለዊ ፅባቐን መሰርሕታት ኲናትን፣ ጫት፣ መዓወኒ ሓሽሽ፣ ዘይቲ ምግብን ገንዘብ ዝተፈላለዩ ሃገራትን ይርከብዎ።

 

ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ብሰረሕተኛታት ኮምሽን ጉምሩክ ፤ ፖሊስ ፌደራል፤ብኣባላት ፖሊስ ክልላትን ሕብረተሰብን ብዝገበርዎ ናይ ሓባር ፃዕሪ ብምፍታሽ ፣ ኣብ በረራን ብጥቆማን ዝተትሓዙ እንትኾኑ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ከዘዋውሩ ዝተረኸቡ 14 ውልቀ ሰባትን ክልተ ተሸከርከርትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም።

ኣፈፃፅማ ኮንትሮባንድን ዘይ ሕጋዊ ንግድን ተለዋዋጢ ብምኳኑ ተግባራቱ ደው ንኽብልን ኣብ ኢኮኖሚ ሃገር ዘብፅሖ ኣሉታዊ ተፅዕኖ ንምክልኻልን ኮምሽን ጉምሩክ በይኑ ዝገብሮ ምንቅስቓስ እኹል ብዘይ ምኳኑ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላትን ሕብረተሰብን እጃሞም ንኽዋፅኡ እቲ ኮምሽን ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.