Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 45 ሚልዮን ሰባት ሃገራት ደቡብ ኣፍሪካ ንህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ተቓሊዖም – ውድብ ሕቡራት መንግስታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 09 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምኽንያት ምውዛዕ ኣየር ኣብ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪካ ዝርከቡ ልዕሊ 45 ሚልዮን ሰባት ንህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ከም ዝተቓልዑ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጡ።

ትሑት መጠን ዕቤት ቁጠባ እተን ሃገራት፣ ልዑል ወሰኽ ቑፅሪ በዝሒ ህዝቢ፣ ሓደጋ ድርቅን ውሕጅን ድማ ንምግዳድ ኣብቲ ከባቢ ዝተፈጠረ ዝኸፍአ ሕፅረት ምግቢ ምኽንያት ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ኣብ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪካ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣጋጢሙ ብዘሎ ሓደጋ፥ ልዕሊ 45 ሚልዮን ሰባት ንህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ከምዝተቓልዑን መብዛሕትኦም ድማ ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ምዃኖምን ተገሊፁ።

እቲ ሕፅረት ምግቢ ብዋናነት ኣብ ሃገራት ሌሴቶ፣ ማዳጋስካር፣ ማላዊ፣ ሞዚምቢክ፣ ናሚብያ፣ ዛምቢያን ዚምባብዌን ዘጋጠመ ምዃኑ ኢዩ ተባሂሉ።

ትካል ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ውድብ ሕቡራት መንግስታት ከምዝገለፆ፥ ኣብቲ ከባቢ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕፅረት ምግቢን ጥምየትን ኣብ ታሪኽ እቲ ክፍለ ኣህጉር ዝኸፍአ ምዃኑ ኢዩ።

ነዚ ዘጋጠመ ፀገም ንምፍታሕ ካብ ዘድሊ 489 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ እቲ 205 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ጥራሕ ከምዝተረኸበ እቲ ትካል ኣፍሊጡ።

ፍልፍል፦ www.reuters.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.