Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 5 ሚሊየን ተወሰኽቲ ክታበታት ንምርካብ ይስራሕ ኣሎ – ሚኒስቴር ጥዕና

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 5 ሚሊየን ተወሰኽቲ ክታበታት ንምርካብ ምስ ሕብረት ኣፍሪካን ዓለም ለኸ ትካላትን እናተሰርሐ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሃበኦ መግለፂ፥ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 430 ሺሕ ሰባት ክታበት ኮቪድ-19 ከምዝተኸተቡ ገሊፀን፡፡

ስዝኾነ ድማ ሰብ ሞያታት ጥዕና፣ ዕድሚኦም ልዕሊ 65 ዓመት ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ከምኡ እውን ዕድሚኦም ልዕሊ 64 ዓመት ኮይኖም ጎድናዊ ፀገም ዘለዎም ሰባት ተኸቲቦም ኢለን፡፡

ዝተረፈ ክታበት ብዝተቐላጠፈ መልክዑ ምስ ምኽታብ ጎድና ጎድኒ ድማ ልዕሊ 5 ሚሊየን ተወሳኺ ክታበት ንምርካብ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

እተን ሚኒስትር ኣብ መግለፂአን ምስ ቫይረስ ኮሮና ቫይረስ ተተሓሒዞም ዝወፅኡ መምርሒታት ንምትግባር ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት ከምዝተወሰዱ ተዛሪበን፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ ልዕሊ 73 ሺሕ ውልቀ ሰባት ማስክ ብዘይምግባርን ኣካላዊ ርሕቐት ብዘይምሕላውን ናይ መምሃሪ ስጉምቲ ተወሲዲሎም ኢለን፡፡

ደምቢ ዝተመሓላለፉ ልዕሊ 400 ትካላት መጠንቀቕታ ዝተውሃቦም እንትኸውን፥ 30 ውልቀ ሰባትን 16 ትካላትን ድማ ጉዳዮም ብሕጊ እናተረኣየ ከምዝኾነ ዶክተር ሊያ ኣብ መግለፂአን ኣብሪሀን፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ቀረብ ኦክሲጅን ብ2 ሺሕን 500 ሲሊንደር ምዕባይ ከምዝተኸኣለ ብምሕባር፥ እዚ ድማ መጠን ምምላእ ሲሊንደር ካብ 4 ሺሕ ናብ 6 ሺሕን 500 ከምዘዕበዮ ገሊፀን፡፡

ምስ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ተተሓሒዙ ኣብ ዘሃበኦ መብርሂ ድማ ክሳብ ዘሓለፈ ቀዳም ኣብ ዝነቡ 10 መዓልቲታት ልዕሊ 20 ሺሕን 600 ሰባት በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ኢለን፡፡

ብመታገስ ኣየልኝ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.