Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 53 ነጥቢ 7 ሚልየን ብር ግምት ዋጋ ዘለዎም ናውቲ ኮንትሮባንድ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 53 ነጥቢ 7 ሚልየን ብር ግምት ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑ ኮንትሮባንድ ካብ ውሽጢ ዓዲ ክወፁን ካብ ካልእ ሃገር ንውሽጢ ዓዲ ክኣትው ክብሉ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ከምዝተትሓዙ ሚኒስትር እቶት ኣፍሊጡ።

እቲ ናውቲ ኮንትሮባንድ የጎዓዕዛ ዝነበራ 35 ተሽከርከርቲ እውን ኣብ ቁፅፅር ውዒለን።

ካፍቶም ዝተትሓዙ ናውቲታት ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ገንዘብ፣ ኣፅዋር ኲናት፣ መድሓኒት፣ መዐወንቲ እፃት፣ እቶት ግብርና፣ ምግቢ ተንከፍ ሸቐጣ መቐጥ፣ ክዳውንቲ ፣ ጫማ ፣ ኤሌትሮኒክስ፣ ኮስሞቲክስን ዝኣመሰሉ እዮም ተባሂሉ።

እቶም ኣቑሑ ዝተትሓዙ ብሰራሕተኛታት ጉምሩክ፣ ኣካላት ፀጥታን ብተሳትፎ ሕብረተሰብን ከምዝኾነ ሚኒስትር እቶት ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.