Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 55 ሺሕ ሰባት ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ህይወቶም እንትስእኑ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ድማ ልዕሊ 1 ሚሊየንን 33 ሺሕን በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ዓለም ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና 55 ሺሕን 92 ሰባት ህይወቶም እንትስእኑ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ድማ 1 ሚሊየን 39 ሺሕን 166 ምብፅሑ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ ኣፍሊጡ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ እዚ ፀብፃብ ክሳብ ዝዳሎ ዓለም ለኸ ኩነታት ዝርገሐ ኮቪድ-19 ብዝምልከት ዘውፀኦ ፀብፃብ ነዚ ዝስዕብ ይመስል።

• በዝሒ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት 55 ሺሕን 092፤

• በዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 1 ሚሊየን 39 ሺሕን 166፤

• በዝሒ ካፍቲ ቫይረስ ዝደሓኑ ሰባት 219 ሺሕን 019፤

• ኣብ ኣፍሪካ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 7 ሺሕን 80፤ 290 ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ፤

• ኣብ ጣሊያን 13 ሺሕን 915 ሰባት ህይወቶምዝሓለፈ እንትኸውን፥ ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ድማ 115 ሺሕን 710 በፂሑ ኣሎ።

• ኣብ ኣሜሪካ በዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 245 ሺሕን 646 በፂሑ

• ጣሊያን ልዕሊ 13 ሺሕን 915፣ ስፔን 10ሺሕን 935 ኣሜሪካ 6 ሺሕን 58 ሰባት ህይወቶም ዝሰኣኑለን ሃገራት ዓለም ብምዃን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳ ተሰሪዐን ኣለዋ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.