Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 6 ሺሕ ጠያይቲ ክላሽንኮቭ ብጊመል እናጓዓዓዙ ዝተረኸቡ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዚያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ወሎ ውረዳ ወረባቦ 6 ሺሕን 74 ጠያይቲ ክላሽንኮቭ ብጊመል እናጓዓዓዙ ዝተረኸቡ ክልተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ወረዳ ወረባቦ ዋና ኢንስፔክተር ሰይድ ዓብዱ ከምዝገለፁዎ፥ እቶም ውልቀ ሰባት ነቲ ጥይት ብጊመል ፅዒኖም እንተጓዓዕዙ ሕብረተሰብ ዘሃቦ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከውዕሎም ክኢሉ።

እቶም ውልቀ ሰባት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ምርመራ ከምዝተጀመረ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.