Fana: At a Speed of Life!

ልዕልነት ሕጊ ኣብ ልዕሊ ኣካላት መንግስቲ፣ ኣመራርሓታት ገዛኢ ፓርቲ ይኹኑ ኣባላት ፓርቲታት ፖለቲካ ተፈፃሚ ምዃኑ ቆራፅ ቅዋም መንግስቲ ዘርኢ ኢዩ – ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ልዕልነት ሕጊ ኣብ ልዕሊ ኣካላት መንግስቲ፣ ኣመራርሓታት ገዛኢ ፓርቲን ኣባላት ፓርቲታት ፖለቲካን ተፈፃሚ ምዃኑ ቆራፅ ቅዋም መንግስቲ ዘርኢ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳይ ሚኒስትር ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ምስ ኣመራርሓታት ተናሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ ዕዉት ምይይጥ ከምዝገበሩ ኣብ ማሕበራ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ፅሒፎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ሕገ-መንግስቲ ዝተመሓላለፈ ዝኾነ ይኹን ሰብ ካብ ተሓታትነት ሕጊ ከምዘየምልጥ እውን ገሊፆም።

“ንፓርቲታት ፖለቲካ ዘራኽቡ ተመሳሰልቲ መድረኽ ዘተታት ብምቕፃል ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ንምዝታይ ተስማዕሚዕና ኣለና” ኢሎም።

ኣብ ዝቕፅል እዋን ኣብ ሃገራዊ ምርድዳእ ዘድሃበ ዘተ ከምዝሳሉ እውን ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ተረጋጊኣ ብጎደና ዕቤት ንኽትቅፅል ሰላማዊ ተሳትፎ፣ ሓሳባት ብግልፂ ናብ ምይይጥ ምቕራብን ኣመራርሓታት ፖለቲካ ተኸባቢሮም ክሰርሑ ምግባርን ልዑል ረብሓ ከምዘለዎም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም።

“ትካላዊ ህንፀት ኣጠናኺርና ንክቕፅል ምግባር፣ ውዳበ መንግስቲን ከይዲ ለውጢን ዘተዓናቕፉ ኣካላት ክነፅሪ ኢና” ክብሉ ኣገንዚቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.