Fana: At a Speed of Life!

ሎም ንጎሆ ከውሊ ወርሒ (ግርደተ ወርሒ) ኣብ ኢትዮጵያ ተራእዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎም ንጎሆ ከውሊ ወርሒ (ግርደተ ወርሒ) ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝተርኣየ ኢንስቲትዩት ስፔስ ሳይንስን ጂኦ እስፓሻልን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዩኒቨርሲቲ ሰመራ ምስ ኢንስቲትዩት ስፔስ ሳይንስን ጂኦ እስፓሻልን ኢትዮጵያ ከምኡውን ስፔስ ሳይንስ ሶሳይቲ ብምትሕብባር ምርኢት ከውሊ ወርሒ ንማሕበረሰብ እቲ ዩንቨርስቲን ከባቢ ሰመራን ተኻይዱ።

ተመራማሪ ስፔስ ሳይንስ እቲ ኢንስቲትዩት ዶክተር ኤፍሬም በሺር፥ እቲ ኣጋጣሚ መሬት ኣብ መንጎ ፀሓይን ወርሒን እንትትከውን ዘጋጥም ኢዩ ኢሎም።

እዚ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣውሮፓን ኣሜሪካን ከምኡውን ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላሉ ክፋላት ዓለም ዝተርኣየ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ እውን ሎም ንጎሆ ሰዓት 11 ከውሊ ወርሒ (ግርደተ ወርሒ) ተራእዩ ኢሎም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.