Fana: At a Speed of Life!

ሎዛ ኣበራ ካብ ውሽጢ 100 ፅዕንቶ ፈጠርቲ ደቂ ኣንስትዮ ቢቢሲ ሓንቲ ኮይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ሎዛ ኣበራ ካብ ውሽጢ 100 ፅዕንቶ ፈጠርቲ ደቂ ኣንስትዮ ቢቢሲ ሓንቲ ብምዃን ተመሪፃ።

ቢቢሲ ኣብዚ ዓመት ለውጢ ዝመርሓን ለውጢ ዘምፃኣን 100 ደቂ ኣንስትዮ ካብ መላእ ዓለም ዝመረፀ እንትኸውን፥ ሎዛ ኣበራ ኣብ ዘፈር ስፖርት ካብ 100 ፅዕንቶ ፈጠርቲ ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ ኮይና ኣላ፡፡

ቢቢሲ ኣብ ኣውዲታት ፍልጠት፣ ኣመራርሓ፣ ፈጠራን ማንነትን ፅዕንቶ ፈጢረን ኢየን ዝበለን ሽም ዝርዝር ደቂ ኣንስትዮ ዘውጸአ እንትኸውን፥ ኢትዮጵያዊት ተፃዋቲት ኩዕሶ እግሪ ሎዛ ኣበራ ተኻቲታ፡፡

ሎዛ ኣበራ ቅድሚ ሕዚ ዝተፈላለዩ ኣፍልጦታትን ሽልማታትን ምርካባ ዝዝከር ኢዩ፡፡

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.