Fana: At a Speed of Life!

ሓለፍቲ ስራሕ ዋና ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል ካብ ወርሓዊ መሃየኦም 50 ሚኢታዊ ለጊሶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓለፍቲ ስራሕ ዋና ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ክልል ትግራይን ዞባ መተከልን ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል ካብ ወርሓዊ መሃየኦም 50 ሚኢታዊ ለጊሶም።

መንግስቲ ዝተጎድኡ ወገናት መሊስካ ንምጥያሽ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕን ዕለታዊ ናብራ ሕብረተሰብ ናብ ንቡር ሰላማዊን ዝተረጋገአን ንምግባር ልዑል ርብርብ እናገበረ ስለዝኾነ ለውጢታት እናተረኣዩ ከምዝኾኑ ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸን ዶክተር ቢቂላ ሁሪሳ ገሊፆም።

መንግስቲ ፌዴራል፣ መንግስታት ክልላትን ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብን ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድሊዮም ወገናት ሓገዝ ንኽገብሩ ብመሰረት ዝተመሓላለፈ ፃውዒት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ሓዊሱ መንግስታት ክልል፣ ትካላትን ውልቀ ሰባትን ሓገዝ እናገበሩ ከምዝኾኑ እውን ኣፍሊጦም።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይን ዞባ መተከልን ንፀገም ዝተቓልዑ ዜጋታት ንምሕጋዝ እናገበሮ ዝርከብ ርብርብ ዝበረታታዕ ከምዘእኾነን ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግበኦን እቶም ሓላፊ ተዛሪቦም ዘለዉ።

መንግስቲ ብምኽንያት ወፍሪ ኽባር ሕጊ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድሊዮም ወገናት ሓገዝ ንኽበፅሕ፣ ዝተጎድኡ መሰረተ ልምዓታት ተፀጊኖም ኣገልግሎት ንኅቡን ሕብረተሰብ ብዘላቕነት ንኽጣየሽን ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና፤ መንግስቲን ሕብረተሰብን ንወገኖም ንምብፃሕ እናገበሩዎ ዝርከቡ ንሰብኣዊ ሓገዝ ንምብርትታዕ ዝኸውን ካብ ወርሓዊ መሃየኦም 50 ሚኢታዊ ከምዝለገሱ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፥ ስሩዕ ህይወት ዜጋታት ናብ ዝነበሮ ንኽምለስ በቢብርኩ ዘሎ ኣመራርሓ ካብኡ ትፅቢት ዝግበር ኩሉ ከምዝገብር እውን ኣረጋጊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.