Fana: At a Speed of Life!

ሓሙሻይ መዓልቱ ኣቑፂሩ ኣብ ዘሎ ጎንፂ እስራኤል ኣብ ጋዛ ትገብሮ ዘላ መጥቃዕቲ ኣጠናኺራ ትቕፅል ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ እየሩሳሌም ዝካየድ ዘሎ ጎንፂ ሓሙሻይ መዓልቲ ኣብ ዘቁፀረሉ እዋን እስራኤል ኣብ ጋዛ ትገብሮ ዘላ መጥቃዕቲ ኣጠናኺራ ትቕፅል ኣላ።

መንግስቲ እስራኤል ብኣየር ተሓጊዙ ጋዛ ንምሓዝ ኵናት ይጀምር እምበር ክሳብ ሕዚ ንጋዛ ክቆፃፀር ከምዘይከኣለ ገሊፁ።

ወሽመጥ ካብ ካብ ወሽመጥ ጋዛ ከምዝፀብፀቦ፥ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ኵናት ነፈርቲ ውግእ፣ ሄሊኮፕተራትን ብረት ዝፀዓና ጀላቡን እናተሳተፋ ይርከባ።

እቲ ሰኑይ ዝጀመረ ጎንፂ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ጋዛ ልዕሊ 100 ሰባት ህይወቶም እንትሓልፍ፥ ብወገን እስራኤል ድማ ሸውዓተ ሰባት ህይወቶም ምሕላፉ ተሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ገለ ከተማታት እስራኤል ኣብ ሞንጎ ኣይሁዳውያንን ኣዕራብ እስራኤላውያንን እውን ናዕብታት ይልዓል ኣሎ።

ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ቤኒ ግንትዝ ነቲ ብኣስታት 400 ሰባት ዝተበገሰ ህዝባዊ ናዕቢ ብኣካላት ፀጥታ ከምዝተረጋግአ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ነታንያሁ ሎሚ ንግሆ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ እስራኤል ኣንፃር ሃማስ ኣብ ጋዛ ተካይዶ መጥቃዕቲ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝኽእል ኣተሓሳሲቦም።

ወሃቢ ቃል ሓማስ ብግደኦም፥ ንሰራዊት እስራኤል ፅቡቕ ትምህርቲ ክንህቦ ኢና ምባሎም ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ፈሉይ መደብ በዓል ዒድ ኣልፈጥር

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.