Fana: At a Speed of Life!

ሓምለዋይ ኣሰር ብለውጢ ከባቢ ኣየር ዘይምብርከኽ ኢኮኖሚ ንምህናፅ መፍትሒ ኢዩ – ኣይተ ኡሞድ ኡጁሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣብ 4ይ ዙር ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 1 ሚሊየን 700 ሽሕ ፈልስታት ናይ ምትካል መርሃ ግብሪ ርእሰ ምምሕዳር ኣይተ ኡሞድ ኡጁሉ ኣብ ዝተረኸቡሉ ተጀሚሩ።

“ኣሰርና ንወለዶና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር÷ ርእሰ ምምሕዳር ኣይተ ኡሞድ ኡጁሉ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ ክልል፣ ዞባን ወረዳን ተሳቲፎም።

ርእሰ ምምሕዳር ኣይተ ኡሞድ ኡጁሉ÷ ስትራቴጂ ሓምለዋይ ኣሰር ውሕስና ምግቢ ምርግጋፅ፣ ምጒሕጓሕ ሓመድ ንምክልኻል፣ ንለውጢ ከባቢ ኣየር ልዑል ኢኮኖሚ ንምህናፅን መፍትሕ ብምዃኑ ትኹረት ሂብካ ክስራሕ እዩ ኢሎም።

ኣብ ሓንቲ ጸሓይ ተኸላ ፈልሲ ዝተርኣየ ተሳትፎ ብምጥንኻር ኣብታ ክልል ዝተትሓዘ ልዕሊ 9 ነጥቢ 5 ሚሊየን ፈልስታት ናይ ምትካል ትልሚ ንምዕዋት ኩሉ ርብርብ ንኽገብር ፃውዒት ምቕራቦም ካብ ኮሙኒኬሽን እታ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ እታ ክልል ወይዘሮ ባንቻየሁ ድንገታ ብግደአን÷ ኣባላት ቤት ምኽሪ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣጠናኺሮም ንክቕፅሉሉ ፀዊዐን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.