Fana: At a Speed of Life!

ሓረስቶት ዞባ ማእኸል ትግራይ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት መስኖ ይነጥፉ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓረስቶት ዞባ ማእኸል ክልል ትግራይ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት መስኖ ይነጥፉ ከምዘለው ተገሊፁ።

ስራሕቲ ልምዓት መስኖ ነጥቢ መቐይሮ መነባብሮን ድርቂ ዝፃወር ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ልምዓት ምዃኑ ኣብቲ ስራሕ ዝተዋፈሩ ሓረስቶት ሓቢሮም።

ልምዓት መስኖ ካብ ካልኦት ዘፈራት ልምዓት ፍሉይ ዝገብሮ፥ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ልዕሊ ክልተ ግዘ ብምልማዕ ድርቂ ዝምከተሉ ብሕታዊ መንገዲ ከምዝኾነ እውን እቶም ሓረስቶት ኣብሪሆም።

እቶም ሓረስቶት፥ ኣብታ ንእሽተይ መሬቶም ኩታ ገጠም ብዝኾነ ሜላ ኣለማምዓ እኹል ዘመናዊ እታዎታት ተጠቕሞም ኣብ ዓመት ልዕሊ 2 ግዜ ስራሕቲ ልምዓት መስኖ ብምልማዕ ካብ ዓርሰ ምኽኣል ናብ ምውህላል ሃፍቲ ይሰጋገሩ ከም ዘለው ገሊፆም ።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.