Fana: At a Speed of Life!

ሓሰን ሼኽ ሞሓመድ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ብምዃን ተመሪፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርላማ ሶማሊያ ሓሰን ሼኽ ሞሓመድ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ንክኾኑ መሪፁ።

ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ናይ መወዳእታ ኣወሃህባ ድምፂ ሓሰን ሼኽ ሞሓመድ ኣብ ስልጣን ንዝነበሩ መሓመድ ኣብዱላሂ ፋርማጆን ብምስዓር ኢዮም ተመሪፆም።

ኣብቲ ምርጫ ሞሓመድ 214 ድምፂ እንትረኽቡ ፋርማጆ 110 ድምፂ ረኺቦም።

ሓሰን ሼኽ ሞሓመድ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2012 ክሳብ 2017 ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ብምዃን መሪሖም ኢዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.