Fana: At a Speed of Life!

ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ሰላምን ብሄራዊ ምርድዳእን ኣድሂቡ መግለፂ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣተሓባባርነት ሚኒሰስትር ሰላም ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ንጉዳይ ሰላምን ብሄራዊ ምርድዳእን መሰረት ኢዮም ኣብ ዝበሉዎም ኣድሂቦም መግለፂ ሂቡ።

ኣብዚ ዓመት ዝካየድ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ፍፁም ሰላማዊ ኮይኑ ንኸሓልፍ፥ ቅድሚ መረፃ፣ ኣብ ከይዲ መረፃ ይኹን ድሕሪ መረፃ ኩሎም ፓርቲታትን መዳርግቲ ኣካላትን ክገብሩዎም ዝግብኡ ጉዳያት ዝድህስስ ካብ 2 ክሳብ 4 ጥሪ 2013 ዓ.ም ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእ ዝበፅሑዎም ነጥቢታት ብዝርዝር ኣቕሪቦም።

ኣብቲ ዝቐረበ መግለፂ ቅድሚ መረፃን ድሕሪ መረፃን ሃገራዊ ሰላም ንኽሕሎ ኣድለይቲ ኢዮም ኣብ ዝበሉዎም ጉዳያት ብዕምቆት ከምዝተዛተዩ ኣገንዚቡ።

ኣብ ኩነታት ሰላምን ፀፅታን፣ ኣብ ጉዳይ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት፣ ሓላፍነት መንግስቲን ተሓታትነትን ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ተገሊፁ፡፡

ብተወሳኺ እውን ሕቶ መንነት ብሄረሰብን ክልል መረፃን ተተሓሓዝቲን፣ ኣብ ውፅኢት መረፃ ክለዓሉ ዝኽእሉ ጉዳያትን ተሓታትነትን፣ ዘይሻራውነት ኣካላት ፀፅታ፣ ዘይሻራዊ ትካላት ዴሞክራሲ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ዘይሻራዊ ትካላትን እውን ኣብ ስምምዕነት ካብ ሞንጎ ዝተበፅሖም ነጥቢታት ከምዝኾኑ ካብ ሚኒስቴር ሰላም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ዘይሻራዊነት ካላት ሚዲያ፣ እቲ መረፃ ፍትሓዊን ተኣማኒን ንኽኸውን ፖለቲካዊ ምህዳር ንምስፋሕ፣ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ፣ ጉዳይ ታሪኽን ተረኽን፣ ብሄራዊ ዕርቂ ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ልዝብ ከምዝገበሩሎምን ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐሎምን ኣብቲ መግለፁ ተጠቓሊሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.