Fana: At a Speed of Life!

ሓባራዊ መድረኽ ዘተ ኣብያተ ፍርዲ ፌዴራልን ክልልን ኣብ መቐለ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓባራዊ መድረኽ ዘተ ኣብያተ ፍርዲ ፌዴራልን ክልልን ኣብ ከተማ መቐለ ተሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ኣይተ ቴዎድሮስ ምህረት ሓዊሱ ፕሬዚዳንታትን ሓለፍቲ ስራሕን ኣብያተ ፍርዲፌደራል፣ ሓላፊ ቤት ዕዮ ምምሕዳር ጉባኤ ዳያኑ ፌዴራልን ፕሬዚዳንትን ምክትል ፕሬዚዳንትን ኩለን ላዕለዎት ኣብያተ ፍርዲ ክልላት ተሳቲፎም፡፡

ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኣይተ ቴዎድሮስ ምህረት፥ ብሰንኪ ኩናት ኣብ ክልል ትግራይ ተቛሪፁ ዝነበረ ዝተማዕአ ኣገልግሎት ዳይነት ኣብያተ ፍርዲ ንክቕፅል ዓሊሙ እቲ መድረኽ ኣብ ከተማ መቐለ ምድላዉ ኣረዲኦም፡፡

ልዕልነት ሕጊ ኣብ ምንጋስ ኣብያተ ፈርዲ ትፅቢት ዝግበረለን ትካላዊን ሕገ መንግስታዊን ግደ ምውፃእ ከምዘለወን ኣተሓሳሲቦም።

ሰላም ኣገዳሲ ምዃኑ ኩሎም ኣካላት ብምግንዛብ ንልዕልነት ሕጊን ምንጋስ ዉሑስ ሰላምን አዎንታዊ ግደ ከበርክቱ ይግባእ ምባሎም ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብሰንኪ ኩናት ስራሕቲ ዳይነት ጠጠው ዘበላን ዝዓነዋን ኣብያተ ፈርዲ ክልል  ትግራይ ዝግበር ደገፍ  ከምልቕፅል ኣረዲኦም፡፡

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ንሰለስቲኦም ኣብያተ ፍርዲ ፌዴራል ብምትሕብባር፥ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ስራሕ ንምጅማር ዝሕግዝ  ልዕሊ 3 ነጥቢ 7 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ቀዋሚን ሃላቒን ናውትታት ቢሮ ሓገዝ ገይሮም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.