Fana: At a Speed of Life!

ሓንቲ ነብሰፁር ኣደ ኣብ ሓደ ጊዜ ትሸዓተ ቖልዑ ተገላጊላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ጓል ማሊ ዝኾነት ነብሰፁር ኣደ ኣብ ሓደ ጊዜ ትሸዓተ ቖልዑት ከምዝተገላገለት ተሓቢሩ።

ትማሊ ሰሉስ ሕማም ሕርሲ ተታሒዛ ኣብ ሞሮኮ ናብ ዝርከብ ሓደ ሆስፒታል ዝኣተወት ጓል 25 ዓመት ሓሊማ ሲሴ ሓሙሽተ ደቂኣንስትዮን ኣርባዕተ ደቂተባዕትዮን ብሰላም ተገላጊላ’ላ።

እታ ዜጋ ማሊ ዝኾነት ነብሰጾር ኣደ ናብ ሆስፒታል ምስኣተወት ነቶም ቆልዑ ብተፈጥሮኣዊ መገዲ ዘይኮነስ ብመጥባሕቲ ተሓጊዛ ከምዝወለደቶም ሚንስትሪ ጥዕና ማሊ ሓቢሩ።

ቅድም ክብል ኣብ ሃገራ ማሊ ኮነ ኣብ ሞሮኮ ብኣልትራሳውንድ ኣብ ዝግበረላ ዝነበረ ክትትል ሸውዓተ ቖልዑ ክትወልድ ከምእትኽእል ክሕበረላ ዝጸንሐ ኮይኑ እቶም ክልተ ተወሰኽቲ ድማ በቲ ማሽን ከይተፈለጡ ምፅንሖም ተገሊጹ።

ፍልፍል፥ቢቢሲ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.