Fana: At a Speed of Life!

ሓንቲ ኣዶ 4 ሓናጡ ብሰላም ተገላጊላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ደቡብ ወረዳ ስልጤ ሓንቲ ኣዶ ኣርባዕተ ሓናጡ ብሰላም ከምዝተገላገለት ተገሊፁ።

ኣብታ ወረዳ ነባሪት ቀበሌ ሰነና ገሬራ ዝኾነት ወይዘሮ ዜኖ ሸምሱ፥ ኣብ መባእታዊ ሆስፒታል ቅበት ብዝተገበረላ መጥባሕቲ ሕክምና ሰለስተ ደቂ ኣነስትዮኝ ሓደ ዊ ተባዕታይን ሓናጡ ብሰላም ክትገላገል ክኢላ።

እቶም ህፃናት ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ጥዕና ዝርከቡ እንትኾኑ ክትትል ሕክምና እናተገበረሎም ይርከብ።

ጓል 30 ዓመት ዝኾነት ወይዘሮ ዜኖ፥ ቅድሚ ሕዚ እውን ብሓደ ግዘ ኣርባዕተ ማናቱ ተገላጊላ ከምዝነበረትን ክትትል ቅድም ድሕረን ወሊድ እናገበረት ከምዝፀንሐት ካብ ቢሮ ኮሙዩኒኬሽን ክልል ደቡብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.