Fana: At a Speed of Life!

ሓይሊታት ምክልኻል ሃገር ተወሰኽቲ ክልተ እዛት ወዲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊታት ምክልኻል ፌዴሪኢ ዝወሃቡኒ ግዴታታት ብቕልጡፍ ንምፍፃም ዘኽእሉኒ ኢዮም ዝበሎም ተወሰኽቲ ክልተ እዛት ከምዝወደበ ኣፍሊጡ።

እቶም ሓደሽቲ እዛት ኣብዚ ዓመት ናብ ስራሕ ከምዝኣትዉ እውን ተገሊፁ።

ጠቅላይ ኤታማዦር ሹም ሓይሊታት ምክልኻል ፌዴሪኢ ጄኔራል ኣደም መሓመድን ምክትል ኤታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ምክልኻል ፌዴሪኢ ጄኔራል ብርሃኑ ጁላን ጋዜጣዊ መግለፂ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ትማሊ ሂቦም።

እቶም ኣዘዝቲ፥ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝተገበረ ስራሕቲ ለውጢ፣ ኣወዳድባ ሰራዊትን እዋናዊ ኩነታት ፀፅታን ሰላምን ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

እቲ ሰራዊት ዝወሃብዎ ግዴታታት ብህፁፅ ንምፍፃም ዘኽእሉ ተወሰኽቲ ክልተ እዛት ከምዝወደበ ድማ ኣፍሊጦም።

እቶም እዝታት ብውሽጢ ይኹን ብደገ ንዝመፅኡ መጥቃዕቲታትን ፀገማትን በቕልጡፍ ንምክልኻል ንክኽእል ተሓሲቦም ዝተወደቡ ኢዮም ኢሎም።

ማእከላዊን ሰሜን ምዕራብን ሓደሽቲ ዝተወደቡ ሓይሊታት እንትኾኑ፥ ነባራት እዝታት ምዕራብ፣ ሰሜን፣ ደቡብን ምብራቕን ከምዘለዉ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.