Fana: At a Speed of Life!

ሓይሊታት ጥፍኣት ናብ ሕጊ ንምቕራብ መንግስቲ ለይቲን ቀትሪን ክሰርሕ ኢዩ-ሚኒስቴር ሰላም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ንምኽባር ሕጊን ንምንጋስ ፈትሒን ክብል ሓይሊታት ጥፍኣት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ለይቲን ቀትሪን ከምዝሰርሕ ሚኒስቴር ሰላም ኣፍሊጡ።

ደላዪ ሰላም ህዝቢ ትኹረት ዝገበረ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እዛ ሃገር  ሃብትን ንብረትን ካብ ምዕናው ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ ዋጋ ዘኽፍል ዘሎ ሽርሒ ጉጅለ ጥፍኣት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት የጋጥም ኣሎ ኢሉ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ።

ብመሰረት እዚ ልቢ ዘድሚዩ ኣጋጣሚታት የጋጥሙ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

እቶም ብውሽጥን ወፃኢን ተወዲቦም ዝንቀሳቐሱ ሓይሊታት ጥፍኣት ሰላም ንምዝራግ፣ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምግጫውን ሓድነት ንምፍራስን ፃዕሪ ይገብሩ ከምዘለዉ ገሊፁ።

መላእ ህዝቢ ነዚ ብምግንዛብ ምስ ሓይሊታት ፀፅታ ብምትሕብባር እቲ ፀገም ንምፍታሕ ክረባረብ ከምዝግባእ እወን ሓቢሩ።

ብዘጋጠመ ፀገም ፀፅታ ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ምፅንዕናዕ ተመኒዩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ዘጋጠሙ ፀገማትን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝተፈፀሙ ኣሰቀቕቲ መጥቃዕቲታትን ብዝምልከት ተሓታትነት ንምርግጋፅ ስራሕቲ ምርመራ ይካየድ ከምዘሎ እውን ሓቢሩ።

ሚኒስቴር ሰላም፥ ዝተጀመሩ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ እውን ገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.