Fana: At a Speed of Life!

ሓይሊታት ፀፅታ ብዝፍፅምዎ ዝተዋደደ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዓወት ይሓፍሱ ኣለዉ -ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣20 ጥቅምቲ ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊታት ፀፅታ በዝፍፅምዎ ዝተዋደደ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዓወት ይሓፍሱ ኣለዉ  ክብል ኣገልግሎ ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ሚኒስትር ኣገልግሎ ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ዶክተር ለገሠ ቱሉ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ እቲ ጉጅለ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ዘለዎ ሓይሊ ኣተኣኻኺቡ ኣብ  ወረባቦ፣ ተሁለደሬን ጭፍራን መጥቃዕቲ ከምዝኸፈተ ኣዘኻኺሮም።

እቲ ሓይሊ ፀፅታ በዝወሰዶ ስጉምቲ “ኣባላት እቲ ጉጅለ ራዕዲ ሙዉትን ቁሱልን ኮይኖም” ኢሎም።

ሓይሊ ኣየር ብዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ብዕዉት መገዲ ገብረ ራዕዲ ህወሓት ዝጥቀመሎም ከምዝዓነዉ ኣብሪሆም።

ሐዚ አውን እቲ ጉጅለ እኩይ ተግባሩ ከምዝቐፀለ ብምግላፅ፥ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ይኹን እወን ንላዕሊ ብሓድነት ምልዓል ከምዘለዎ ኣብሪሆም።

“ኣብ ኩሉ ከባቢታት እዛ ሃገር ምውፋር ዝኽእል ኩሉ ንባዕሉ ድልው ምግባር ኣለዎ” ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቲ ህዝቢ ከምሰራዊት ብኹለ መዳይ ንሃገሩ ኣስተዋፅኦ ንምግባር ንባዕሉ ምድላው ከምዘለዎ አወን ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ምንቅስቓስ ኢኮኖሚ ሃገሩ ንክቀላጠፍ ግድኡ ምግባር ትፅቢት ከምዝግበረሉ ሓቲቶም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.