Fana: At a Speed of Life!

ሓይሊታት ፀፅታ ትሕቲ ብር 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዝኾነ ገንዘብ ዘይሕጋዊ ብምባል ክሕዙ ከምዘይግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓይሊታት ፀፅታ ትሕቲ ብር 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዝኾነ ገንዘብ ዘይሕጋዊ ብምባል ክሕዙ ከምዘይግባእ ተገሊፁ።

ሚኒስቴር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴን ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዶክተር ይናገር ደሴን ሓዱሽ ለውጢ ባጤራ ኣመልኪቶም ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ሂቦም።

ዶክተር ይናገር ደሴ ኣብቲ መግለፂ ከምዝበሉዎ፥ ምስ ምልዋጥ ባጤራ ተተሓሒዙ ዝተወሰነ ምድንጋር ከምዝተፈጠረ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ድማ ሓይሊታት ፀፅታ ብሚኢቲ ኣሽሓት ዝቑፀር ገንዘብ ሒዞም ንዝተረኸቡ ሰባት እናሓዙ ከምዝኾኑን እዚ ድማ ኣግባብ ከምዘይኮነን ብምግላፅ፤ ክሳብ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዘለዎም ሰባት ብዘይስክፍታ ክንቀሳቐሱ ከምዝኽእሉ ኣገንዚቦም።

ልዕሊ ብር 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ምሓዝ ዝኽልክል መምርሒ ከም መከፋፈሊ ነዳዲ ዝበሉን ካልኦት ልዑል መሸጣ ዘካይዱ ትካላትን ከምዘይምልከት ኣብሪሆም።

ይኹን እምበር ብከምዚኦም ዝበሉ ትካላት ኣቢሎም ገንዘብ ክነእቱ ኢና ኢሎም ዝፍትኑ ትካላት ንግዲ ታሪኽ መሸጠኦም ክትትል ስለዝግበረሉ ከምዚ ዓይነት ተግባር ከይፍትኑ ኣተሓሳሲቦም።

ሓደ ሓደ ውልቀሰባት እቲ መምርሒ ንባንኪታት ጥራሕ ዝምልከት ኢዩ ብምባል ብዙሕ መጠን ዘለዎ ገንዘብ ብትካላት ማይክሮ ፋይናንስ ኣቢሎም ንምእታው እናፈተኑ ከምዝኾነ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ እቲ መምርሒ ንባንኪታትን ማይክሮ ፋይናንሳትን ብማዕረ ዘገልግል ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ባንኪታት ሒሳብ ብምኽፋት ገንዘብ በቲኖም ንምቕማጥ ዝፍትኑ ኣካላት እንተሃሊዮም ድማ ንዚ ተግባር ዝቆፃፀር ግብረ ሓይሊ ከምዝተጣየሸን ከምዚ ዓይነት ተግባር ፈፂሞም ዝተረኸቡ ሰባት ገንዘቦም ክሳብ ምውራስ ዝበፅሕ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ተገሊፁ።

ብዝተፈላለዩ ሰባት ኣቢልካን ገንዘብ ምቕማጥን ብናይ ካሊእ ሰብ ኣካውንት ስም ገንዘብ ምእታውን ከምዘይከኣል እውን ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።

ምስ ኣሽከርከርቲ ተተሓሒዙ ድማ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ብፍላይ ድማ ምስ ጂቡቲ ተተሓሒዙ ኣሽከርከርቲ ገንዘብ ሒዞም ስለዝንቀሳቐሱ ኩሉ ገንዘብ ዘይሕጋዊ ኢዩ ተባሂሉ ክተሓዝ ከምዘይግባእ ተገሊፁ።

ኣሽከርከርቲ ካብ ሃገር እንትወፅኡ ክሳብ ብር 30 ሺሕ ሒዞም ክወጽኡ ከምዝኽእሉ፤ እንተኣትዉ ድማ ክሳብ 10 ሺሕ ኪዞም ምእታው ከምዝኽእሉ ተፈሊጡ።

ይኹን እመበር ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣብ ውሽጢ ተሸከርከርቶም ብር ሓቢኦም ንምእታው ዝፍትኑ ሰባት ከምዝተሓዙ ተገሊፁ።

ብትዕግስት ኣብረሃም

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.