Fana: At a Speed of Life!

ሓይሊ ባሕሪ ሩሲያ ኣብ ቀረባ እዋን ሓደሽቲ ሃይፐርሶኒክ ሚሳኤላት ከምዝዕጠቕ ፕሬዚዳንት ፑቲን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ባሕሪ ሩሲያ ኣብ ቀረባ እዋን ሓደሽቲ ሃይፐርሶኒክ ሚሳኤላት ከምዝዕጠቕ ፕሬዚዳንት ፑቲን ኣፍሊጦም።

ከም ቅዱስ ፒተርስበርግን ክሮንሽታትን ዝበላ ዓበይቲ ናይ ወደብ ከተማታት ሩሲያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ በዓል ሓይሊ ኣየር ተረኺቦም መደረ ዝገበሩ እቶም ፕሬዚዳንት፥ ክሩዝ ሚሳኤላት ዝተዓጠቑ ባሕሪ ሓይሊታት ብመሰረት ድሌት ድሕንነት ሩሲያ ወፍሪ ክወሃቦም ኢዩ ኢሎም፡፡

ፕሬዚዳንት ፑቲን ብተወሳኺ፥ “ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ሉዓላዊነትናን ናፅነትናን ንምድፋር ዘወሰነ ሓይሊ ብቅልጣፈ ንፋስ ንምክልኻል ዝኽእል ዓቕሚ ዘለዎ ኢዩ” ኢሎም።

ሓደሽቲ ሃይፐርሶኒክ ክሩስ ሚሳኤላት ንጦር ሓይሊ ሩሲያ ናይ ምዕጣቕ ስራሕ ኣብ ዝቕፅሉ ውሑዳት ኣዋርሕ ከምዝጅመር እውን ተዛሪቦም፡፡

ነባር ሓይሊ ባሕሪ ሩሲያ ዝኾነ ክፍለ ጦር መርከብ ኣድሚራል ጎርሽኮቭ፥ እቲ መፍርሒ ክሩስ ሚሳኤል ናብ ውግእ ወፍሪ ዘዋፍር ፈላማይ ባሕሪ ሓይሊ እታ ሃገር ከምዝኸውን እቶም ፕሬዚዳንት ምሕባሮም ኣርቲ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.