Fana: At a Speed of Life!

ሓይሊ ኤሊክትሪክ ትማሊ ምሸት ኣብ መላእ እዛ ሃገር ንምንታይ ተቛሪፁ?

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓይሊ ኤሊክትሪክ ትማሊ ምሸት ኣብ መላእ እዛ ሃገር ተቛሪፁ ነይሩ።

ትማሊ ደሕሪ ውሱናት ሰዓታት ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝረኸቡ እንትኾኑ፥ ዝተረፉ ድማ ክሳብ ሐዚ እቲ ኤሌክትሪክ ተቛሪፁ ኣሎ።

ዳይሬክተር ኮርፖሬት ኮሙዩኒኬሽን ሓይሊ ኤሊክትሪክ ኢትዮጵያ ኣይተ ሞገስ መኮንን ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ እቲ ምቁራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ካብ ፍልፍል ሓይሊ ኤሌክትሪካ ግቤ 2 ምስ ዝብገስ መስመር መተሓላለፊ ሓይሊ ዝተተሓሓዘ ኢዩ።

ካብ ግቤ 2፣ 400 ኪሎ ዋት ሓይሊ ብምሽካም ናብ ሰበታን ስኮሮን ዝኸይድ መስመር ኣብቲ ከባቢ ብዝነበረ ሓያል ንፋስ ዝሓዘለ ዝናብ ምኽኒያት ፀገም ገጢሙዎ ነይሩ።

ብምኽኒያት እዚ ድማ በቲ መስመር ኣቢሉ ዝሓልፍ ሓይሊ፥ ካብ ግቤ 3 ብምብጋስ ናብ ወላይታ ሰዶን ገላንን ብዝኣቱ መስመር እቲ ሓይሊ ከምዝተልኣኸ ተዛሪቦም።

እቲ መስመር ንኣብዝሓ ከባቢታት እዛ ሃገር ከምዝሽፍን ዝሓበሩ እቶም ዳይሬክተር፥ ይኹን እምበር እቲ ሓይሊ ባዕሉ ብምቁራፁ ኣብዝሓ ከባቢታት ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝተቛረፆም ሓቢሮም።

ይኹን እምበር መበገሲ እቲ ፀገም ብምርዳእ ክሳብ 11 ሰዓት ወጋሕቲ ምስትኽኻል ስለ ዝተገበረሉ ኣብዝሓ ከባቢታት እቲ ኤሌከትሪክ ክረኽባ ከምዝተገበረ ድማ ኣብሪሆም።

ዝተረፉ ከባቢታት እቲ መስመር ድሕንነቱ ምስተረጋገፁ ከምዝስደደሎም እውን ሓቢሮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.