Fana: At a Speed of Life!

ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ኢትዮጵያ ማሕለኻታት ብምፅዋር ግቡኣ ብዓወት እናፈፀመ ይርከብ – ሜጀር ጄኔራል ጆይሳኩር ሜኖን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ ኣፀጋሚ ኣቀማምጣ መሬት ማሕለኻታት ብምፅዋር ግቡኡ ብዓወት እናፈፀመ ከምዝርከብ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣኽባሪ ሰላም ሓላፊ ስትራቴጂክ ርክብ ሜጀር ጄኔራል ጆይሳኩር ሜኖን ገሊፆም።

እቶም ጀነራል መኮንን ጉጅለ ልኡኽ እቲ ስትራቴጂክ ርክብ ብምምራሕ ኣብ ደቡብ ሱዳን ምዕራብ ኢኳቴሪያል ዝርከብ ዓቃቢ ሰላም መበል 15 ሞተራይዝድ ሻለቃ ዞባ ወፍሪ ተዘዋዊሩ ዑደት ገይሩ።

ዋና ኣዛዚ እቲ ሻለቃ ኮሎኔል ከፍያለው ረጋሳን ላዕለዎተወ መኮንናት እቲ ሻለቃን ነቲ ልኡኽ ኣቀባብላ ዝገበሩሉ እንትኾኑ፥ እቶም ዋና ኣዛዚ ኣፈፃፅማ ወፍሪ እቲ ሻለቃ ዝምልከት ገለፃ ገይሮም።

ሜጀር ጀኔራል ጀይሳኩር ሜኖን ድሕሪ እቲ ዑደት ኣብ ዝገበሩዎ መደረ፥ ኣባላት መበል 15 ሞተራይዝድ ሻለቃ ዓቃቢ ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ኣብቲ ዞባ ዝተውሃቦም ዓለም ለኸ ልኡኽቶ ብብቕዓት ምውፀኦም ንኢዶም።

ኣባላት እቲ ሻላቃ ኣብ ዝተመደቡሉ ዞባ ቀጠና ዘተኣማምን ሰላም ንምርግጋፅ እናሰርሑዎ ንዝርከቡ ተግባር ዝነኣድ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.