Fana: At a Speed of Life!

ሓደጋ ውሕጅ ብምክልኻል ዝናብ ኣብ ዝሓፅሮም ከባቢታት ናብ ረብሓ ክውዕል ይግባእ – ዶ/ር ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓደጋ ውሕጅ ብምክልኻል ብፍላይ ሕፅረት ዝናብ ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ናብ ረብሓ ክውዕሉ ምግባር ከምዝግባእ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋ ገሊፆም።

ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ኣብ ከይዲ ስራሕቲ ቅድመ መጠንቀቕታን ቅድመ ምክልኻልን ኣመልኪቱ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ መድረኽ ዘተ የሳልጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋ÷ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ሓደጋታት እናተፈተነት ትርከብ ገሊፆም።

ኣብዚ ዓመት ኣብ ክልላት ሶማሊያን ኦሮሚያን ዘጋጠመ ድርቂ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከምዘብፀሐ ፀሪሖም።

ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ከምኡ እውን ኣብ ኣዲስ በኣበባ ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ህይወት ሰባት ከምዝጠፍአን ንብረት ከምዝዓነወን ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ ንውሕጅ ተቃላዕቲ ኣብ ዝኾኑ ክልላት ኣምሓራ፣ ኦሮሚያ፣ ጋምቤላን ዓፋርን ከምኡ እውን ካልኦት ከባቢታት ከቢድ ዝናብ ከምዝህሉ ስለዝግመት ሓደጋ ውሕጅ ምክልኻል ከምዝግባእ ምሕባሮም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ብምዃኑ ሓደጋ ውሕጅ ብምክልኻል ብፍላይ ሕፅረት ዝናብ ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ናብ ረብሓ ክውዕሉ ምግባር ከምዝግባእ እቶም ሚኒስቴር ኣገንዚቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.