Fana: At a Speed of Life!

ሓደ ስራሕ ንግዲ ተመጋጋባይ ንምግባር ምኽሪ ኣማኻሪ ቢዝነስ ወሳኒ ግደ ከምዘለዎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓደ ስራሕ ንግዲ ተመጋጋባይ ንምግባር ምኽሪ ኣማኻሪ ቢዝነስ ወሳኒ ግደ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

ሰባት ስራሕ ንምጅማር ዘኽእሎም ገንዘብ ጥራሕ ስለዘለዎ ስራሕ ክጅምሩ ይርኣዩ እዮም፡፡ ይኹን ድኣ እምበር እቲ ዝጀመርዎ ስራሕ ቀፃልነት ከይሃለዎ ኣብ ሓፂር እዋን ናብ ኪሳራ ክሳጥሑ ንዕዘብ ኢና፡፡

ናይዚ ምኽንያት ድማ ሰባት ብዋንነት ኣብ ዝሰርሕዎ ስራሕ፤ ጉድለት ፍልጠትን ግንዛብን ሰለዘለዎን እዩ፡፡  ኮይኑ ግና ቢዝነስ ብምሰረቱ ኣብ ትልሚ ዝተደረኸ ክኾን ኣለዎ ክብሉ ኣማኻሪ ቢዝነስ ኣይተ ሳምሶም ግዛው ይዛረቡ፡፡

ኣብ ሃገርና ኣብ ሓደ ከባቢ ሓደ ስራሕ ሓደ ሰብ ስለዝጀመሮ ጥራሕ እቲ ካሊእ ድማ ነቲ ስራህ መሊሱ ክኸፈት ይርአ፤ ስለዝኾነ እቲ ዕዳጋ ተወዳዳራይ እዩ ዝገብሮ ኣብ ክንዲ ተመጋጋባይ ምግባር፡ እቲ ቢዝነስ ዝጠልቦ ግና ስራሕ ተመጋጋባይ ንክኾን እዩ፡፡ እዚ ንክኾን ድማ እጃም ቢዝነስ ኣማኻሪ ኣገዳሲ እዩ፡፡

ኣብ ስራሕ ንግዲ ብድጋፍ ኣማኻሪ ቢዝነስ ኣቢሎም ዝንቃሳቐሱን ብዘይድጋፍ ኣማኻሪ ቢዝነስ ዝንቀሳቐሱ ኣብ ውፅኢታውነቶም ዓብይ ኣፈላላይ ኣለዎ ዝበሉ እቶም ኣማኻሪ ቢዝነስ፣ ብድጋፍ ኣማኻሪ ቢዝነስ ኣቢሉ ዝተጀመረ ስራሕ ንግዲ ኣብ ሕድ ሐድ ምንቅስቓሳት ኣድላይ ሓበሬታ ቢዝነስ በብእዋኑ ንክረክብ ስዝገብሮ ብዝሓሽ ውፅኢታዊ እዩ ዝኾን፤ ብዘይ ድጋፍ ኣማኻሪ ቢዝነስ ዝጅመር ስራህ ንግዲ ግና መጨረሻኡ ወይ ድማ ዕላማኡ ኣይፍለጥን ኢሎም፡፡

ኣብ ሃገርና ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ኣብ ዓውዲ ትምህቲ ቢዝነስ ጠመተ ገይረን ይስርሓ ዋላእኳ እንተሃለዋ እቲ ዝህበኦ ትምርቲ መብዛሕትኡ ትሕዝቶኡ ኣብ ሓሳባዊ መሰረተ ዝገበረ ስለዝኾነ እቲ ማሕበረሰብ ኣብ ንግዲ ውፅኢታዊ ንከይኾን ገይርዎ እዩ ክብሉ ወሲኾም ተዛሪቦም፡፡

ኣማሪ ቢዝነስሳምሶም ማሕበረሰብና ኣብ ዝተዋፈረሉ ስራሕ ቢዝነስ ኣትራፋይን ዕውተን ንክኾን ኣብ ትካላት ሓገዝቲ ዝውሃቦ ዘለዉ ዕድላትን ማሕበራዊ ሚድያ ብግቡእ ኣብ ረብሓ ብምውዓልን ዓርሱ ስራሕ ክፈጥር ኣለዎ፣ ብወገን መንስቲ ድማ ትፅቢት ዝግበሮ ኩሉ ንክስርሕ ኣመላኺቶም፡፡

ብፋኑስ መብራህቱ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.