Fana: At a Speed of Life!

ሓደ ኒኩለራዊ ማእኸል ኢራን ናታንዝ ውዲታዊ መጥቃዕቲ ከም ዘጋጠሞ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓደ ማእኸል ኒኩሌር ኢራን ሓድሽ መሳርሒ ምብልፃግ ዩራንየም ከም ዘማዕበለ ድሕሪ ምግላፁ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ብውዲት ከም ዝተሃርመ ላዕለዋይ በዓል-መዚ ኒኩለር እታ ሃገር ሓቢሩ።

ዓሊ ኣክባር ሳልሕ ብድሕሪ እቲ ግብረሽበራዊ ዝበሎ መጥቃዕቲ መን ከም ዘሎ ግና ኣየነጸረን።

ብምኽንያት እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ደቡባዊ ቴህራን ዝርከብ ማእከል ኒኩለር ናታንዝ ብሰንበት ምቁራጽ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኣጋጢምዎ ነይሩ።

ሓደ ሃገራዊ መራኸቢ ብዙሓን እስራኤል ግና ንስለያዊ ምንጭታት ብምጥቃስ፡ እቲ መጥቃዕቲ ውጽኢት ብእስራኤል ዝተኻየደ መጥቃዕቲ-ሳይበር ምዃኑ ገሊጹ።

እስራኤል ኣብቲ ጉዳይ ብቐጥታ ምላሽ ኣይሃበትን።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.