Fana: At a Speed of Life!

ሓደ ዳያስፖራ ርክብ ኢንተርኔት ኣብ ዘይብሉ ቦታ ዲጂታል ትምህርቲ ምሃብ ዘኽእል ቴክኖሎጂ ንፈተነ ሒዞም መፂኦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 40 ዓመት ኣብ ኣሜሪካ ዝነበሩ ኣይተ ሚደቅሳ በየነ፤ ርክብ ኢንተርኔት ኣብ ዘይብሉ ቦታ ዲጂታል ትምህርቲ ምሃብ ዘኽእል መሳርሒ ንፈተነ ንሃገሮም ሒዞም መፂኦም።

ፃውዒት ቀዳማይ ሚኒስትር ምምላስ ናብ ሃገር ተቐቢሎም ናብ ሃገሮም ዝመፁ ትውልደ ኢትዮጵያዊ ኣይተ ሚደቅሳ÷ ናብ ሃገሮም እንትመፁ ርክብ ኢንተርኔት ዘይብሎም ኣብያተ ትምህርቲ ክጠቅም ዝኽእል ቴክኖሎጂ ሒዞም ከምዝመፁ ተዛሪቦም።

እቲ ቴክኖሎጂ ብሓይሊ ሶላር ዝሰርሕ፣ ናይ ባዕሉ ዋይፋይ ዘለዎን ተንቀሻቓሲ 2 ሰርቨር ቴራባይት ዝሓዘ እንኸውን÷ ምስ ኮምፒውተርን ሞባይልን ብምርኻብ መሳርሕታት መምርሒ ምርካብ ዘኽእል ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብተወሳኺ እውን እቲ ቴክኖሎጂ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ትምህርቲ ዝሓዙ መፃሕፍቲ፣ ሓገዝቲ መፃሕፍቲ፣ ሌክቸራትን ቪዲዮታትን፣ መፅናዕታዊ ፅሑፋት፣ መሀደስትን ብኣሸሓት ዝቑፀሩ ካልኦት ሓበሬታትን ዝሓዘ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ልዕሊ 60 ሽሕ መፃሕፍቲ ዝሓዘ እቲ ስርዓት÷ እቶም መፃሕፍቲ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ብናፃ ከውርድ ዘኽእል እዩ ከምዝተበሃለ ካብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.