Fana: At a Speed of Life!

ሓገዝ እኽሊ ዝፀዓና 21 ተሽከርከርቲ  ብኣብዓላ ኣቢለን ሎሚ መዓልቲ ናብ ትግራይ ምጉዕዓዝ ጀሚረን-ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ሓገዝ እኽሊ ትካል ምግቢ ዓለም ዝፀዓና 21 ተሽከርከርቲ ብኣብዓላ ኣቢለን ሎሚ መዓልቲ ናብ ትግራይ ምጉዕዓዝ ጀሚረን ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ንዝርከቡ ዜጋታት ህይወቶም ንምድሓን ኩሎም ኣማራፅታት ብምጥቃም ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ምንቅስቓስ ምጅማሩ ዝዝከር ኢዩ።

እቲ ውሳነ ካብ ዝውሰን ዕለት ጀሚሩ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት በዝኸኣልዎ መጠን መድሓኒት፣ ናውቲታት ሕክምና፣ ገንዘብን ሃነፅቲ ምግብታትን ብነፈርቲ በቢመዓልቱ ምጉዕዓዝ ምጅማሮም ምግላፅና ይዝከር።

ሎሚ መዓልቲ  ድማ ሓገዝ እኽሊ ትካል ምግቢ ዓለም ዝፀዓና 21 ተሽከርከርቲ ብኣብዓላ ኣቢለን ናብ ትግራይ ምጉዕዓዝ ጀሚረን ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድሊዮም ዜጋታት ኣቕርቦት ሰብኣዊ ደገፍ ብዝተማልአ ኩነታት ንምክያድ እንትትሓባቢሩን መዳርግቲ ኣካላት ንምስራሕ ሎሚ አወን ቁርፀኛ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያን፦ እናልማ፣ እንገንባ፣ እንዘጋ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.