Fana: At a Speed of Life!

ሓጋዚት ዋና ፀሓፊ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ካብ ፅባሕ ጀሚረን ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ክገብራ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓጋዚት ዋና ፀሓፊ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ) ኢልዜ ብራንድስ ኬሪስ ካብ ፅባሕ ጀሚረን ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ክገብራ ኢየን።

እቲ ዑደት ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ዝፀንሕ ከምዝኾነ ቢሮ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጡ።

እተን ሓጋዚት ዋና ፀሓፊ፥ ሕብረት ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ብሓባር ዘሰናድእዎ “ኣፍሪካን ዩኒየን ኮምፕሊያንስ ኤንድ ኣካውንተብሊቲ ፍሬምወርክ” ዝተብሃለ ፕሮጀክት መጀመሪ መርሃ ግብሪ ከምዝሳተፋ ተገሊፁ።

ካብ 9 ጉንበት ጀሚረን ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ደቡብ ሱዳን ዑደት ከምዘገበራ ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.