Fana: At a Speed of Life!

ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣዘዝቲ ፖሊስ ምብራቕ ኣፍሪካ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሕዳር 2015 ዓ.ም (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 24 ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣዘዝቲ ፖሊስ ምብራቕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ፡፡

ኣኼባ እቲ ሕብረት፥ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክሳብ 30 ሕዳር 2015 ዓ.ም ከምዝቕፅል ተገሊፁ።

እቲ ኣኼባ ኣብ ገበን ግብረ ራዕዲ፣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባትን መሳርሕን፣ ዕፀ ፋርስ፣ ዘረፋ እንስሳትን ካልኦት ዶብ ተሳገርቲ ገበናትን ኣድሂቡ ከምዝመክር ትፅቢት ኣሎ፡፡

ሓላፊ ቢሮ ምርመራ ገበን ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ምክትል ኮሚሽነር ጄነራል ዘለላም መንግስቴ፥ ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ሕብረት፣ ሓለፍቲ ኢንተርፖል እቲ ዞባ፣ ኣታሼታት፣ኣዘዝቲ ፖሊስ እተን ሃገራት፣ኣብቲ ኣኼባ ይሳተፉ ምህላዎም ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

ኢትዮጵያ እውን ኣኼባ እቲ ሕብረት እንትተዳሉ ሎሚ ንኻልኣይ ግዘ እንትኾን÷ ቅድሚ ሐዚ 2008 ዓ.ም ነቲ ኣኼባ ምድላዋ ይዝከር።

14 ሃገራት ብኣባልነት ዝሓቖፈን ተቐማጥነቱ ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ዝገበረን እቲ ሕብረት፥ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ትካላት መኽበርቲ ሕጊ ንምጥንኻር፣ ምልውዋጥ ሓበሬታ ንምጥንኻር፣ ሓበራዊ ስትራቲጂ ንምንዳፍን ኣብቲ ዞባ ሰላም ንምዕሳልን ዝሰርሕ ከምዝኾነ ተመላኺቱ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.