Fana: At a Speed of Life!

ሕማም ኣስሚ ዘለዎም ሰባት ንርእሶም ካብ ኮቪድ-19 ክከላኸሉ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሕማም ኣስሚ ዘለዎም ሰባት ንርእሶም ካብ ኮቪድ-19 ክከላኸሉ ከምዝግባእ ሚስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ኣብ ሚኒስቴር ጥዕና ዳይሬክተር ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማማት ወይዘሮ ሕይወት ሰለሞን፥ ብብርኪ ዓለም ንመበል 22 እዋን ብብርኪ ሃገር ድማ ን8ይ ግዘ ዝተኸበረ ዓለም ለኸ መዓልቲ ኣስሚ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።

ቫይረስ ኮሮና ሕማም ኣስሚ  ከበኣእስ ስለዝኽእል ሕማም ኣስሚ ዘለዎም ሰባት በቲ ቫይረስ ከይተሓዚ ኣድላዪ ዘበለ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ክወስዱ ከምዝግባእ ኣብቲ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ ኣገንዚበን።

እተን ዳይሬክተር፥ ብጣዕሚ ኣገዳሲ እንተዘይኮይኑ ካብ ገዝኦም ክወፅኡ ከምዘይግባእ ገሊፀን።

ዋና ፀሓፊት ቶራሲክ ሶሳይቲ ኢትዮጵያ ዶክተር ራሄል ኣርጋው ብግደአን፥ ሕማም ኣስሚ ዘለዎም ሰባት እቲ ሕማም ከበኣእሱ ካብ ዝኸእሉ ነገራት ክርሕቑ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲበን።

እቲ ሕማም ዘለዎም ሰባት ጭንቀትን ወጥሪን ብምውጋድ ኣድላዪ ጥንቃቐ ክገብሩ ከምዝግባእ ብምግላፅ፥ እቲ ሕማም እንትብርተዖም ድማ ንሓኪም ከማኽሩ ከምዘለዎም ምሕባረን ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.